Fana: At a Speed of Life!

ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ጎንፂ ንዝተጎድኡ ከባቢታት ዝውዕል ደገፍ 31 ነጥቢ 5 ሚሊየን ዩሮ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 1 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ጎንፂ ኣብ ዝተጎድኡ ከባቢታት ዝተቛረፀ ኣገልግሎት ጥዕና መጅማር ዘኽእል ደገፍ 31 ነጥቢ 5 ሚሊየን ዩሮ ገይሩ።

እቲ ሕብረት ዝገበሮ ደገፍ መጀመሪን ስራሕቲ ህንፀት ዓቕሚን ንክሰርሕ ንዩኒሴፍ ኢዩ።

ናብራ ህፃናትን ደቂ ኣኒስቲዮን ምምሕያሽን ብሰንኪ እቲ ጎንፂ ዝበፅሖም ጉድኣት ንምድሓንን ከምኡ ውን ኣገልግሎት ጥዕና ንክጅምሩ ንምግባር ከምዘኾነ ተገሊፁ።

ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ብምኽኒያት እቲ ጎንፂ ልዕሊ 3 ሺሕ ትካላት ጥዕና ካብ ኣገልግሎት ወፃእ ኮይነን ኢየን።

ብሰንኪ እዚ ድማ ልዕሊ 700 ሺሕ ህፃናት ስሩዕ ክታበት ከይረኸቡ ከምዝፀንሑ ተሓቢሩ።

እቲ ሐዚ ዝተገበረ ደገፍ ልዕሊ 2 ሚሊየን ንዝኾኑ ደቂ ኣኒስቲዮን ህፃናትን ክልል ትግራይ፣ ዓፋር፣ ኣምሓራ፣ ኦሮሚያን ደቡብን ተረባሕቲ ዝገብር ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ብሃብታሙ ተክለስላሴ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.