Fana: At a Speed of Life!

ሕብረት ኣውሮፓ ንዩክሬን ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ 27 ቢሊየን ዶላር ሓገዝ ምግባሩ ተሓቢሩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 4 ሕዳር ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሕብረት ኣውሮፓ ንዩክሬን ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ 27 ቢሊየን ዶላር ወታደራዊ ሓገዝ ከምዝገበረ ሓላፊ ጉዳያት ወፃኢን ፀፅታን እቲ ሕብረት ጆሴፍ ቦሬል ገሊፆም።

ቦሬል ኣቤልጂየም ብራሰልስ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ÷ እተን ኣባል ሃገራት ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚረን ንኪየቭ ቀጥታ ብዘይኮነ መገዲ ወታደራዊ ሓገዝ ምግባረን ገሊፆም።

ኣብ መግለፂኦም ድማ “ዋላ እኳ ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ሓዱሽ ጎንፂ ይለዓል እምበር እተን ሃገራ ንኪየቭ ዝገብረኦ ሓገዝ ኣይርስዓን” ኢሎም።

“ንዩክሬን ንገብሮ ሓገዝ እናወሰኸ ይርከብ” ዝበሉ ጆሴፍ ቦሬል÷ “ኣብዚ ሕዚ እዋን ዝተገበረ ወታደራዊ ሓገዝ 27 ቢሊየን ዩሮ ከምዝበፅሐ ኣብሪሆም።

እዚ ቁፅሪ ልዑል ከምዝኾነ ዝሓበሩ እቶም ሓላፊ÷ ንወታደራት ዩክሬን ምስልጣን ከምኡ እውነ ኣብ ጎኒ ዩክሬን ጠጠው ምባለን ከምዝቕፀላ ገሊፆም።

ምስዚ ተተሓሒዙ ንዩክሬን ተወሳኺ ወታደራዊ ሓገዝ ምግባር ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታ ንምምካር ከምዝተሓሰበ ምግላፁ ኣር ቲ ፀብፂቡ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.