Fana: At a Speed of Life!

ሕብረት ኣውሮፓ ንዘላቒ ሰላም ኢትዮጵያ ሓገዝ ከምዝገብር ኣረጋጊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሕብረት ኣውሮፓ ንዘላቒ ሰላም ኢትዮጵያ ሓገዝ ከምዝገብር ኣረጋጊፁ።

እቲ ሕብረት ኣብ ዝሓለፈ እዋን 16 ሚያዝያ 2015 ዓ.ም ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ÷ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዎ ርክብ ቀስ ብቐስ ናብ ስሩዕ ብርኪ ንምብፃሕ ሓዱሽን መሰረታዊን መደምደምታታት ብሙሉእ ድምፂ ኣፅዲቑ ኢዩ።

እቲ ውሳነ ኣብ ሞንጎ እቲ ሕብረትን ኢትዮጵያን ንዘሎ ምሕዝነት ሓዱሽ ምዕራፍ ዝኸፈተ ምዃኑ ተገሊፁ፡፡

ኢትዮጵያ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካን ቀይሕ ባሕሪም ንሕብረት ኣውሮፓ ቁልፊ ስትራቴጂካዊት መሓዛ ምዃና እውን ተፀሪሑ ኢዩ፡፡

ብምዃኑ ድማ ሕብረት ኣውሮፓ ኢትዮጵያ ናብ ዘላቒ ሰላም ኣብ ዝወስድ መገዲ ትገብሮ ተወሳኺ ምምሕያሽ ንምሕጋዝ ድልዉ ከምዝኾነ ገሊፁ ኣሎ፡፡

ብመሰረት እዚ እቲ ሕብረት ኣብቶም ሓደሽቲ መደምዳምታታት፤ ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን 24 ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም ንዝተፈረመ ዘላቒ ኲናት ጠጠው ናይ ምባል ስምምዕነት ሙሉእ ድጋፉ ገሊፁ።

ኣተገባብራ እቲ ስምምዕነት መሰረት ብምግባር÷ ሕብረት ኣውሮፓ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዎ ርክብ ካብ እዋን ናብ እዋን ብጥንኩር ፖለቲካዊን ዲፕሎማሲያዊን ልዝብ ተሓጊዙ ስሩዕ ብምግባር ናብ ሙሉእን ዝተጠናኸረን ስትራቴጂካዊ ርክብ ንኽምለስ ከምዝሰርሕ ኣመልኪቱ፡፡

ብመንፅር እዚ ብፍላይ ተሓታትነትን ናይ ስግግር ፍትሒን ኣድለይቲ ከምዝኾኑ ኢዩ እቲ ሕብረት ገሊፁ ዘሎ፡፡

ሕብረት ኣውሮፓ ናይ ስግግር ፍትሒ ብዝምልከት ዝወፅአ ግሪን ፔፐር (Green Paper) ብምቕባል መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ዓለም ለኸ ሰብ መመዘኒታትን ደምቢታን ሰብኣዊ መሰላት ብዝተጠዓዓመ መልክዑ ኣብ ውሽጡ ዝተኻተቱ ኣማራፂታት ብምምሕያሽ ጭቡጥ ስጉምቲ ንኽውሰድ ኣበረታቲዑ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ግልፂ፣ ንኹሉ ዘሓቁፍ፣ መካተቲን ህዝቢ ዘማእኸለን ብሄራዊ ከይዲ ምኽክር ንኽቕፅል እውን እቲ ሕብረት ሓቲቱ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube      

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.