Fana: At a Speed of Life!

ሕብረት ኣውሮፓ ንመመሓየሺ ኢኮኖሚን ሓምለዋይ ስግግርን ኢትዮጵያ ንምድጋፍ ቆራፅነቱ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሕብረት ኣውሮፓ ንመመሓየሺ ኢኮኖሚን ሓምለዋይ ስግግርን ኢትዮጵያ ንምድጋፍ ቆራፅነቱ ገሊፁ።

ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር) ምስ ዳይሬክተር ዓለም ለኸ ምሕዝነት ዘላቂ ፋይናንስ ሕብረት ኣውሮፓ ኣንቲ ካርሁነን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተዛቲየን፡፡

ኣብ ዘተአን ድማ ኢትዮጵያ ምስ ሕብረት ኣውሮፓ ዘለዋ ርክብ ንምጥንኻር ኣብ ትገብሮ ፃዕሪ ትኹረት ገይረን፡፡

እተን ሚኒስትር ተሓታትነት ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ንምርግጋፅ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ስዒቡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝወሰዶም ስጉምቲታት ኣመልኪተን መብርሂ ሂበን፡፡

በዚ ድማ ምድላው ማዕቐፍ ሕጊ ስርዓት ስግግር ፍትሒ ክዛዘም ከምዝተቐረበ ብምግላፅ፥ ኮሚሽን ብሄራዊ ዘተ ከምዝተጣየሸ ኣብታ ሃገር ዘላቒ ሰላም ንምዕሳል ወሳኒ ከምዝኾነ ኣብሪሀን፡፡

ኣብ መመሓየሺ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ኢኮኖሚያዊ ተወዳዳሪነትን መስሕብ ኢንቨስትመንትን እታ ሃገር ኣብ ምድንፋዕ ዝተመዘገቡ ዓወታት ኣልዒለን።

ካርሁነን ብግደኦም፥ ሕብረት ኣውሮፓ ንመመሓየሺ ኢኮኖሚን ሓምለዋይ ስግግርን ኢትዮጵያ ከምኡ እውን ኣብ ዓለም ለኸ ስትራቴጂ ጌትዌይ ንምድጋፍ ዘለዎ ቆራፅነት ገሊፆም።

ኣብ ትሕቲ ዓመታዊ ኩለመዳይ መመልከቲ ፕሮግራም ሕብረት ኣውሮፓ ንኢትዮጵያ ዝተመደበ 650 ሚሊየን ዩሮ ሓደ ኣካል ሓገዝ ከምዝኾነ ምግላፆም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.