Fana: At a Speed of Life!

ሕብረት ኣውሮፓ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዎ ርክብ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሕብረት ኣውሮፓ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዎ ስትራቴጂካዊ ርክብ ናብ ዝሓሸ መዕራፍ ንምስግጋር ይሰርሕ ከምዘሎ ገሊፁ።

ኣምባሳደር ሐብረት ኣውሮፓ ኣብ ኢትዮጵያ ሮላንድ ኮቢያ፥ ሕብረት ኣውሮፓ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዎ ርክብ ንምጥንኻር  ዝሰርሖም ዘለዉ ስራሕቲ ዝጠመተ መግለፂ ሂቦም።

ኣብቲ መግለፂ፥ ኢትዮጵያን ሕብረት ኣውሮፓን ታሪኻዊ ርክብ ከምዘለወንን መትሕብባረን በዝበለፀ ንምጥንኻርን ዓሊመን ስትራቴጂካዊ ስምምዕነት ብምፍፃም ይሰርሓ ከምዘለዋ ሓቢሮም።

27 ሚኒስትራት ጉዳያት ወፃኢ ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ መፋርቕ ወርሒ ሚያዚያ ኣብ ቤት ዕዮ ኣቦ መንበር ቤት ምኽሪ ጉዳይ ወፃኢ እቲ ሕብረት ኣብ ዝገበርዎ ኣኼባ፥ ምስ ኢትዮጵያ ዘሎ ርክብ ንምጥንኻር ሓዱሽ መሰረታዊ መደምደምታታት ብሙሉ8እ ድምፂ ምፅዳቖም ኣዘኻኺሮም።

እቲ ውሳነ ኣብ መንጎ ሕብረት ኣውሮፓን ኢትዮጵያ ኣብ ዘሎ ሽርክና ሓዱሽ ምዕራፍ ዝኸፈተ ከምዝኾነ ገሊፆም።

እቲ ሕብረት፥ ኢትዮጵያ ዘላቒ ሰለም ንምምፃእ እትገብሮ ፃዕሪ ከምዝድግፍ ኣረዲኦም።

ብምንይችል ኣዘዘው

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.