Fana: At a Speed of Life!

ሕብረት ኣውሮፓ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዎ ምትሕብባር ንምጥንኻር ከምዝሰርሕ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ዓውዲታ ልምዓት፣ ንግዲን ኢንቨስትመንትን ከምኡ እውን ኣብ ካልኦት ዓውዲታት ምስ ኢትዮጵያ ዘለዎ ምትሕብባር ንምጥንኻር ከምዝሰርሕ ኣምባሳደር እቲ ሕብረት ኣብ ኢትዮጵያ ሮላንድ ኮቢያ ገሊፆም።

ኣምባሳደር ሮላንድ ኮቢያ ከምዝበሉዎ÷ ሕብረት ኣውሮፓ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ኩለመዳይ ኣድማሳት ምትሕብባር ጥንኩር ምሕዝነት ኣለዎ።

ካብዚ ብተወሳኺ ኣባላ ሃገራ ሕብረት ኣውሮፓ ምስ ኢትዮጵያ ጥንኩር ርክብ ከምዘለወን ብምሕባር፤ እዚ ድማ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣረጋጊፆም።

እቲ ርክብ ኣብ ሓደ ዘፈር ጥራሕ ዝተንጠለጠለ ከምዘይኮነ ዝገለፁ እቶም ኣምባሳደር፥ ኣብ ዓውዲ ኢኮኖሚን ፖለቲካን ዘሎ ምትሕብባር እናዓበየ ምምፅኡ እውን ኣብሪሆም፡፡

ሕብረት ኣውሮፓን ኣባል ሃገራቱን፥ ብፍላይ ሰብ ተኮር ኣብ ዝኾኑ ማሕበራዊ ዓውዲታት ትኹረት ብመሃብ እቲ ምትሕብባር ንምጥንኻር እናሰርሑ ከምዝኾኑ ገሊፆም።

ነዚ ስዒቡ ኣብ ቀረባ እዋን ንማሕበራዊ ልምዓት ዝውዕል ልዕሊ 9 ነጥቢ 5 ቢሊየን ብር ስምምዕነት ሓገዝ ንምግባር ምድላው እናተገበረ ከምዝኾነ እቶም ኣምባሳደር ምስ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ኣብሪሆም።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.