Fana: At a Speed of Life!

ሕብረት ኣውሮፓ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዘፈር ፖለቲካ ዘሎ ስትራቴጂካዊ ምትሕብባር ከምዘጠናኽር ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 3 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሕብረት ኣውሮፓ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዘፈር ፖለቲካ ዘሎ ስትራቴጂካዊ ምትሕብባር ንምጥኻር ከምዘሰርሕ ተወካሊ ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ሮላንድ ኮቢያ ገሊፆም።

ኣምባሳደር ሮላንድ ኮቢያ ሕብረት ኣውሮፓ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዘፈር ፖለቲካ ዘሎ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ብዙሓት ተግባራት እናሳለጠ ከምዝኾነ ተዛሪቦም፡፡

ብፍላይ ኢትዮጵያ ኣብ ምርግጋፅ ሰላምን ድሕንነትን ምብራቕ ኣፍሪካ እናበርከተቶ ትርከብ ዘሎ ኣስተዋፅኦ ስዒቡ እቲ ሕብረት ምትሕብባሩ ብዝበለፀ ንምጥንኻር እናሰርሐ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ነዚ ስዒቡ ድማ ሕብረት ኣውሮፓ ምስ ኢትዮጵያ ስትራቴጂካዊ ምሕዝነት ንምጥያሽ ዘኽእሎም ስምምዕነት ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2016 ከምዝተፈረመን እቲ ስምምዕነት ነበር ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማርያም ደሳለኝን ናይቲ እዋን ፕሬዚዳንት ሕብረት ኣውሮፓ ጃን ክላውድ ጁንኬን ከምዝተፈራረሙዎን ኣብሪሆም።

እቲ ስምምዕነት ሓበራዊ ከባቢያዊን ዓለም ለኻዊን ፀገማት ብሓባር መዕለቢ ንመሃብን ክልተኣዊ ስትራቴጂካዊ ስምምዕነት ኣብ ዓለም ምስ ውሑዳት ሃገራት ጥራሕ ከምዘለዎ ብምሕባር፤ ኢትዮጵያ እውን ካብ ሞንጎ እዘን ሃገራት ሓንቲ ከምዝኾነት ተዛሪቦም፡፡

እቲ ሕብረት ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኢዱ ከእቱ ከምዘይግባእ ዝገለፁ እቶም ኣምባሳደር፥ ሕብረት ኣውሮፓ መምርሒታት ውድብ ሕቡራት መንግስታትን ዓለም ለኸ መምርሒታትን ከምዘኽብር ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.