Fana: At a Speed of Life!

ሕብረት ኢኮኖሚ ኣውሮፓን ኤስያን ኢትዮጵያ ቀንዲ ናይ ንግዲ መሓዛና ኢያ ኢሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሕብረት ኢኮኖሚ ኣውሮፓን ኤስያን ኢትዮጵያን ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2022 ምትሕብባሮም ብዝበለፀ ንምድንፋዕ ኣብ ዝኽእሉሉ ትልሚ ኣድሂቦም ተዛቲዮም።

ዳይሬክተር መምርሒ ኮሚሽን ጥምረት ልምዓት ኣውሮፓን ኢኮኖሚ እስያን ዝኾኑ ጎሃር ናርሴግያን ምስ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ሩሲያ ኣለማየሁ ተገኑ ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት እቲ ኮሚሽነ ኣብ ዝገበሩዎ ዘተዃ፥ ምትሕብባር ኢኮኖሚ ቀንዲ ርእሰ ጉዳይ እዚ እዋን ኢዩ ኢሎም፡፡

ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪካ ቀንዲ ናይ ንግዲ መሓዛና ኮይና ዝፀንሐት ታሪኻዊ ርከብና ዝጠንከረት ሃገር ኢዩ ኢሎም ጎሃር ባርሴግያን።

ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ጥቅምቲ 2021 ኣብ ሞንጎ ኣባል ሃገራት ኢትዮጵያን ኣውሮፓ-እስያን ዝተኻየደ ልውውጥ ንግዲ ምስ 2020 እንትነፃፀር ብ4 ነጥቢ 7 ሚኢታዊ ወሰኽ ኣርኢዩ ኢዩ ኢሎም እቶም ዳይሬክተር፡፡

ኣምባሳደር ኣለማየሁ ተገኑ ብግደኦም፥ ኣብ ኢትዮጵያ ዝፈርዩ ከም ዕምበባ፣ ዓለባ፣ ቡንን ካልኦት መሰል ፍርያታትን ኣብ ዕዳጋ ኣውሮፓን እስያን ልዑል ጠለብ ዘለዎምን ተወዳደርቲን ከምዝኾኑ ፀሪሖም፡፡

እቶም ተዛተይቲ ምትሕብባር ብምድንፋዕ ከም “ዓለም ለኸ መድረኽ ኢኮኖሚ ፒተርስበርግ”፣ “ጉባኤ ሩሲያ – ኣፍሪካ”ን ካልኦት ዓለም ለኸ መድረኻት ዘተን ንምፅምባር ድሌት ከምዘርአዩ ካብ ኤምባሲ ሩሲያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.