Fana: At a Speed of Life!

ሕብረት ተምሃሮ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ አብ እዋናዊ ሃገራዊ ጉዳያት ኣድሂቡ ይዝቲ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 8 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሕብረት ተምሃሮ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ አብ እዋናዊ ሃገራዊ ጉዳያት ኣድሂቡ ይዝቲ ኣሎ።

እቲ ዘተ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት እዛ ሃገር እናተፈጠሩ ዝርከቡ ፀገማት ንምፍታሕ ግደ ተምሃሮ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ኣመልኪቱ ከምዝዝቲ ተገሊፁ።

ተምሃሮ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ፥ ሃገራዊ ፀገማት ኣብ ምፍታሕ ዘለዎም ግደ ብኸመይ ክዋፅኡ ከምዝግባእ ዘመላኽት ዘተ ከምዝኾነ እው ተሓቢሩ።

ፈፃሚት ስራሕ ሃገር ለኸ ሕብረት ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ መንእስይ ሜሮን ኣለሙ፥ እቲ ሕብረት ኣብ ኢትዮጵያ ዘበናዊ ትምህርቲ ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ ኣብታ ሃገር ተላዒሎም ዘሓለፉ ሰብ ስራሕን ተፈጥሮኣዊን ሓደጋታት ብፍልጠት፣ ብጉልበት፣ ብገንዘብን ብህይወት መስዋእስትን ሓዊሱ ርኡይ ኣስተዋፅኦ ምግባሩ ተዛሪባ።

ለበዳ ሕማማት፣ ዕስለ ኣምበጣን ተፈጥሮኣዊ ሓደጋን እንትፍጠሩ ኣብ ጎኒ ህዝቢ ብምዃን እናሰርሐ ምፅንሑ እውን ኣዘኻኺራ።

እዞም ስራሕቲ ኣናኺርካ ንምቕፃል እቲ መድረኽ ዘተ ኣድላዪ ከምኾነ እውን ገሊፃ።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ካብ ኩለን ዩኒቨርሲቲታት ዝተውፃእፅ ፕሬዝዳንታት ሕብረት ተምሃሮ ተረኺቦም።

ኣብ ዛዘሚ ኣኼባ እቲ ሕብረት ቀፀልቲ ስራሕቲ ኣመልኪቶም መግለፂ ቅዋም ከውፅእ ኢዩዝብል ትፅቢት ከምዘሎ ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.