Fana: At a Speed of Life!

ሕብረተሰብ ካብ ተግባር ገበን ምጭብርባር ንኽጥንቀቕ ኣገልግሎት ድሕንነት ፋይናንስ ኣተሓሳሲቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሕብረተሰብ ካብ ተግባር ገበን ምጭብርባር ንኽጥንቀቕ ኣገልግሎት ድሕንነት ፋይናንስ ኣተሓሳሲቡ፡፡

እቲ ኣገልግሎት “ሓደ ሓደ ውልቀሰባትን ተግባር ገበን ፈፀምቲን ዝተፈላለየ ምስሊ ዘለዎም ገበናት ብምፍፃም ብዘይሕጋዊ መገዲ ገንዘብ ንምርካብ ምንቅስቓስ እናገበሩ ከምዝኾኑ ሓበሬታ በፂሑኒ” ኢሉ፡፡

ቅድም ክብል ኣማራፂታት ኦንላይንን ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ሚዲያን ብምጥቃም ናይ ትርፊ እዋን ስራሕ፣ ኣማራፂን ዘዋፅእን ስራሕ ከምኡ እውን ኢንቨስትመንት ዝብል መደናገሪ ሜላታት ብምጥቃም ውልቀሰባት ብኦንላይን ብምቕራብን ርክብ ብምፍጣርን ናብ መጭበርበሪ መርበብ ብምእታው ገንዘብ ወሲዶም እናተሰወሩ ከምዝፀንሑ ኣዘኻኺሩ።

ብኦንላይንን ማሕበራዊ ሚዲያን ናይ ምጭብርባር ተግባር ዝፍፅሙ ኣካላት ናይ ሕሶት ሽምን ኣድራሻን ብምጥቃም ከምኡ እውን መቀመጢኦም ኣብ ወፃኢ ሃገራት ብምግባር ሓደሓደ ኣብ መሰል ተግባር ምስ ዝተዋፈሩ ውልቀሰባት ብምምሽጣር እቲ ተግባር ገበን እናፈፀሙ ከምዝነበሩ ኣብሪሁ።

እዞም ኣካላት ኣብ ወፃኢ ሃገራት ዘተኣኻቡዎ ገንዘብ ኣብ ውሽጢ ሃገር ናይቲ ተግባር ገበን ተሓባበርቲ ብዝኾኑ ውልቀሰባት ኣቢሎም ልዑል መጠን ዘለዎ ገንዘብ ብኢትዮጵያ ብር ንዝተፈላለዩ ውልቀሰባት ክኽፈልን ተመጣጣኒ መጠን ዘለዎ ገንዘብ ብሸርፊ ወፃኢ ከምዝኸፍሉ ብምርድዳእ ሸርፊ ወፃኢ ሃገራት ብመሓዝ ናይ ምስዋር ገበን ከምዝፍፅሙ ገሊፁ፡፡

ብምዃኑ ድማ ሕብረተሰብ ግዳይ ተግባር ገበን ምጭብርባርን መሰል ገበናትን ከይኸውን ክጥንቀቕ ከምዝግባእ ዘተሓሳሰበ እቲ ኣገልግሎት፤ መሰል ተግባራት ገበን ርክባት ዘለዎም ኣጠራጠርቲ ጉዳያት እንትዕዘብ ብስልኪ ቁፅሪ +251-11-812-8261 ወይ እውን ብኣካል ብምርካብ ሓበሬታ ንኽህብ መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.