Fana: At a Speed of Life!

ሕብረተሰብ ካብ ምጭብርባር ዕድጊት ክጥንቀቕ ከምዝግባእ ኣገልግሎት ድሕንነት ፋይናንስ ኣገዚቡ  

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሕብረተሰብ ሜላ እናቐያየሩ ኣብ እዋን በዓላት ካብ ዝፍፀሙ ምጭብርባራት ዕድጊት ክጥንቀቕ ከምዝግባእ ኣገልግሎት ድሕንነት ፋይናንስ ኣተሓሳሲቡ።

ፈፃሚ ስራሕ ኮሙኒኬሽንን ርክብ ህዝቢን እቲ ኣገልግሎት እንዳለ ኣሰፋ ከምዝበሉዎ÷ ብዙሓት ከከምዓቕሞም በዓላት ንምሕላፍ ዕድጊት እንትፍፅሙ፤ ብዘይተገበአ መገዲ ሃፍቲ ንምርካብ ዝፅዕሩ ኣለዉ፡፡

ኣጭበርበርቲ ዝተፈላለየ ሜላ  ስለዝጥቀሙ ሕብረተሰብ ብዝኾነ ይኹን ምንቅስቓስን ዕድጊትን ንኽጥንቀቕ እውን ሓቲቶም፡፡

“ሕብረተሰብ ሙሉእ ትኹረቱ ንበዓል ኣድላዪ ቀረብ ንምዕዳግ እንትጓ ብናይ ሕሶት ገንዘብ ዝተዓዳደጉ ከየጋጥሙዎ ክጥንቀቕ ይግባእ” ኢሎም፡፡

ብኻሊእ መዳይ ኣብ ቅነ በዓላት ማሕራዊ ሚዲያ ሚዲያ ብምጥቃም ምጭብርባራት ከምዝፍፀሙ እውን ሓቢሮም፡፡

ናይ ዝተፈላለያ ትካላት ሎጎ፣ ተመሳሳሊ መልእኽቲታትን ምልክታትን ብዘይሕጋዊ መልክዑ ብምጥቃም፥ “እንኳዕ ኣብፀሐኩም፣ ንበዓል ህያብ ተመዓራርዩ ኣሎ፣ እዚ ንምግባር ኣብ ታሕቲ ተመልኪቱ ዘሎ ሊንክ ይእተዉ፣ ንሕና ንብሎም እናተኸተሉ ይግበሩ” ብምባል ዝተፈላለዩ ተለዋወጥቲ ሜላታት ብምጥቃም ተግባራት ምጭብርባር ከምዝፍፅሙ ኣመልኪቶም።

ብምዃኑ ክሳራ ውድሚ ምብፅሑ እቲ በዓል ብሰላማዊ ኩነታት ንምሕላፍ ኣብ ሕድሕድ ዕድጊትን ምንቅስቓስን ጥንቃቐ ምግባር ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

ብዮሃንስ ደርበው

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.