Fana: At a Speed of Life!

ሕብረተሰብ ኣብ በዓል ልደት ሓዊን ሓይሊ ኤሌክትሪክን እንትቀም ጥንቃቐ ንኽገብር ተሓቲቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ታሕሳስ ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሕብረተሰብ ቀፃሊ ሰንበት ምስ ዝኽበር በዓል ልደት ተተሓሒዙ ፍልፍላት ሓዊን ሓይሊ ኤሌክትሪክን እንትጥቀም ግቡእ ጥንቃቐ ክገብር ከምዝግባእ ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋን ባርዕ ሓዊን ኣተሓሳሲቡ፡፡

ኩሎም ስራሕቲ ብተመሳሳሊ ግዘ ጎና ጎድኒ ንምስራሕ ምፍታን ድኻም ዘስዕብን ትኹረት ዘስእንን ብምዃኑ ንሓደጋ ከምዘቃልዕ ብምርዳእ÷ ካብ ከምዚ ዝበለ ተግባር ምቑጣብ ከምዝግባእ እቲ ኮሚሽን ምዒዱ፡፡

ብኻሊእ መዳይ ምስ በዓል ተተሓሒዙ ሽምዓ ኣብ ዝውለዐሉ እዋን እቲ ሽምዓ ካብ ተቐፃፀልቲ ነገራት ምርሓቑ ምርኣይን ካብ ገዛ እንትወፅኡ ድማ እቲ ሽምዓ ምጥፍኡ ምርግጋፅን ከምዝግባእ በዓል ሞያ ርክብ ህዝቢ እቲ ኮሚሽን ንጋቱ ማሞ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ተዛሪቦም።

“ንድምቀት እቲ በዓል ተባሂሎም ዝዝርግሑ መስመራት ኤሌክትሪክ እንተሃሊዮም እውን ግቡእ ጥንቃቐ ምግባር የድሊ ኢሎም፡፡

እዞም ጥንቃቐታት ሓሊፉ ንዘጋጥም ሓደጋ÷ እቲ ኮሚሽን ኣድላዪ ምድላው ስለዝገበረ ቅልጡፍ ምላሽ ንመሃብ ንኽከኣል ሕብረተሰብ 939 ናፃ ስልኪ መስመር ንኸፍልጡ ፀዊዖም፡፡

ብዮሃንስ ደርበው

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.