ሕብረተሰብ ንዘልዓሎም ሕቶታት ዝተውሃበ ምላሽ ኣብዚ ሰሙን ከምዝቐርብ ተገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ፣ 8 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሕብረተሰብ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ኣድሂቡ ንዘልዓሎም ሕቶታት ዝተውሃበ ምላሽ ኣብዚ ሰሙን ከምዝቐርብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣፍሊጡ።
1 መጋቢት 2017 ዓ.ም ኣብ ትምህርቲ፣ ጥዕና፣ ኢኮኖሚያዊ ጉዳያትን ካልኦት ኣፍረይቲ ዓውዲታትን ዘለው ሕቶታትን መብርሂ ዝደሊዩ ዛዕባታትን ንክለኣኹ ምሕታቱ ይዝከር።
ብመሰረት እዚ ነቶም ዝገለፁ ዛዕባታት ዝምልከቶም ሓለፍቲ ስራሕ ዝሃብዎ ምላሽን መብርሂን ኣብዚ ሰሙን ክነቕርብ ኢና ክብል ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣፍሊጡ።