Fana: At a Speed of Life!

ሕብረተሰብ ንህንፀት ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዝገብሮ ድጋፍ ኣጠናኺሩ ይቕፅል ከምዘሎ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሕብረተሰብ ንህንፀት ግድብ ዝገብሮ ድጋፍ ኣጠናኺሩ ይቕፅል ከምዘሎ ቤት ፅሕፈት ቤት ምኽሪ ህዝባዊ ኣተሓባባሪ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ  ገሊፁ።

ቫይረስ ኮሮና ኣብ ሃገርና ካብ ዘጋጥም ንነዘ ልዕሊ 190 ሚሊየን ብር እቶት ከምዝኣከበ እቲ ቤት ምኽሪ ኣፍሊጡ።

ሓላፊ ርክብ ህዝቢ እቲ ቤት ፅሕፈት ኣይተ ሃይሉ ኣብረሃም፥ ህንፀት እቲ ግድብ ንምዝዛም ንዝግበር ፃዕሪ ኣብ ምሕጋዝ ካብ እዋን ናብ እዋን ተሳትፎ ሕብረተሰብ ይዛይድ ከምዘሎ ኣረዲኦም።

ነዚ እውን ኣብ ምልኣኽ ሓፂር ፅሑፍ 8100 ዘሎ ተሳትፎ ሓደ መርኣዪ ከምዝኾነ ዝሓበሩ እቶም ሓላፊ፥ ፀብፃብ ወርሒ ሰነ እንተይሓወሰ ካብ 8100፣ ቦንድን ውህብቶን ልዕሊ 668 ሚሊየን ብር እቶት ከምዝተኣከበ ገሊፆም።

ምልባዕ ለበዳ ሕማም ኮቪድ 19 ብሰንኪ ዘስዓቦ ክልከላ እቲ ቤት ምኽሪ ብመሰረት ዝሓዞ ትልሚ ምንቅስቓስ ከምዘይከኣለ እውን ተዛሪቦም።

ይኹን እምበር ሕብረተሰብ ኣብ 8100 ብምስታፍ፣ ቦንድ ብምግዛእን ውህብቶ ብምሃብን ነቲ ግድብ ኣብ ምድጋፍ ከምዝርከብ ኣይተ ሃይሉ ምግላፆም ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.