Fana: At a Speed of Life!

ሕብረተሰብ ብመንፈስ ጌዘ የለን ፃውዒት ክተት ብምቕባል ናብቲ ወፍሪ ክሕወስ ኣለዎ-ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኩሉ ከባቢ ዝርከብ ሕብረተሰብ ብመንፈስ ጌዘ የለን ፃውዒት ክተት ብምቕባል ናብቲ ወፍሪ ክሕወስ ኣለዎ ክብል ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ፃውዒት ኣቕሪቡ።

ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ዶክተር ለገሰ ቱሉ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ብምድሃብ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኢትዮጵያ ንምፍራስን ንምብትታንን ዝተለሞ ትልሚ ንሓንሳብን መወዳእታን ንምፍሻል ይሰርሕ ኣሎ ኢሎም።

“ሕብረተሰብ ብመንፈስ ጌዘ የለን ፃውዒት ክተት ብምቕባል በቢከባቢኡ ኣብ ምምዝጋብ ይርከብ” ብምባል፥ ብፍላይ ኣብ ክልል ኣምሓራ ትማሊ ብዝተሓላለፈ ውሳነ መሰረት ብዙሓት ዕጡቓት ናብ ማእኸል ይከዱ ከምዘለዉ ገሊፆም።

ካልኦት ኣብቲ ክልል ዝርከቡ ክፋላት ሕብረተሰብ እወን ንፃውዒት መንግስቲ እቲ ክልል እወንታዊ ምላሽ በምሃብ ናብ ግንባር ንምምራሕ ኣብ ምውዳብ ከምዘለዉ ተዛሪቦም።

ምላሽ እቲ ሕብረተሰብ ዘኹርዕ ከምዝኾነ ብምሕባር፥ ብመንፈስ ጌዘ የለን ፃውዒት ክተት ብምቕባል ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ምጥንኻር ይግባእ ኢሎም።

ጀግና ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ሐዚ እውን ሕብረተሰብ ደጀንነቱ ብምሕላው ልዑል ተጋድሎ ኣብ ምግባር ከምዝርከብ ገሊፆም።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ግንባር ወሎ ልዑል ተጋድሎ ይግበር ከምዘሎ ብምሕባር፥ ዝተፈጠረ ናይ ውግእ ምዝናፍ ሙሉእ ብሙሉእ ተመዓራርዩ እቲ ሰራዊት ንቐፃሊ ልኡኽ ንባዕሉ ብቑዕ ኣብ ምግባር ከምዝርከብ ሓቢሮም።

ጉጅለ ራዕዲ ሸሊኹ ኣብ ዝኣተወሎም ደሴን ኮምቦሊቻን ልዑል ዕንወት ምስዓቡ ዝገለፁ እቶም ሚኒስትር፥ ኣብዚ ሐዚ እዋን ንብረት መንግስቲን ውልቀን ኣብ ምዝራፍ ከምዝርከብ ተዛሪቦም።

ግብረ ራዕዲ ሓይሊ ህወሓት ናብ ከተማ ኮምቦልቻ ሸሊኹ ብምእታው ትማሊ ምሸት ልዕሊ 100 መናእሰይ እታ ከተማ ኣሰሊፉ ከምጨፍጨፈ ገሊፆም።

ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ሸሊኹ ኣብ ዝኣተወሎም ከባቢታት ዝዘረፎም ንብረታት ፅሺኑ ንከይወፅእ ሕብረተሰብ መገዲ ብምዕፃው ምክልኻልን ምንቅስቓሱ ምግዳብን ከምዘለዎ ገሊፆም።

ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣድላዪ ስጉምቲ ከምዝወስድ እውን ኣረዲኦም።

ኣብ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ሚዲያ መንግስቲን ህዝብን ንምክፍፋልን ሓድነት ሃገር ንምሽርሻርን ምስ ኣሸባሪ ህወሓት ዝሰርሑ ኣካላት ካብ ተግባሮም ንክቑጠቡ ኣተሓሳሲቦም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

መንግስቲ ኣብ ህልውናን ሓድነትን ሃገር ኣብ ልዕሊ ዝመፅኡ ኣካላት ስጉምቲ ምውሳድ ከምዝጀመረ ብምግላፅ፥ ካብ ተግባሮም እንድሕር ዘይቑጠቡ እቲ ስጉምቲ ቀፃልነት ከምዝህልዎ ተዛሪቦም።

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.