Fana: At a Speed of Life!

ሕቡራት ኤሜሬትስ ዓረብ ኣብ ወረዳ ገዜ ጎፋ ንዘጋጠመ ሓደጋ ዝውዕል ሰብኣዊ ደገፍ ገይራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሕቡራት ኤሜሬትስ ዓረብ ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ወረዳ ገዜ ጎፋ ብዘጋጠመ ሓደጋ ጋህሲ መሬት ንዝተጎድኤ ወገናት ዝውዕል ሰብኣዊ ደገፍ ገይራ።

ሚኒስትር ዴኤታ ኣገልግሎት ኮሚኒኬሸን መንግስቲ ሰላማዊት ካሳ ሎሚ ኣብ ዝሃብኡ መግለፂ፥ ውድብ ሕቡራት መንግስታትን መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃገራትን ኣብቲ ከባቢ ንዘጋጠመ ጋህሲ መሬት ዝተሰመዖም ሓዘን ምግላፆም ሓቢረን።

ሎሚ ንጎሆ ድማ ሕቡራት ኤሜሬትስ ዓረብ ኣብ ወረዳ ገዜ ጎፋ ንዘጋጠመ ሓደጋ ዝውዕል ሰብኣዊ ደገፍ ከምዝለኣኸ ተዛሪበን።

እቲ ደገፍ 75 ቶን ምግቢ ተንከፍን ካልኦት ናውቲታትን ዘካተተ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.