Fana: At a Speed of Life!

ሕቡራት ሃገራት ንሰላማውያን ሰባት ትግራይ ዝውዕል ሓገዝ 35 ነጥቢ 6 ሚልየን ዶላር ኣበርኪቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ታህሳስ፣ 2013 (ኤፍቢሲ)ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ትግራይ ብዝካየድ ዘሎ ኵናት ንዝተፀገሙ ሰላማውያን ሰባት ንምሕጋዝ ዝውዕል 35 ነጥቢ 6 ሚልየን ዶላር ኣሜሪካ ዝዋግኡ ሓገዝ ከም ዘበርከተ ሓቢሩ።

ሕቡራት ሃገራት ካብቲ ዘበርከቶ ሓገዝ እቲ 25 ሚልየን ዶላር ነቶም ብሰንኪ እቲ ኵናት ዝቖሰሉን ዝሓመሙን ሰላማውያን ሰባት መግዝኢ መድሃኒት፣ መግብን ማይን ከም ዝውዕል ገሊፁ ኣሎ።

እቲ ዝተረፈ 10 ነጥቢ 6 ሚልየን ዶላርድማ፥ ነቶም ናብ ሱዳን ተሰዲዶም ዘለዉ ዓሰርታታት ኣሽሓት ስደተኛታት መግዝኢ መዕቆቢ ቴንዳታት፣ ቀረባት ናውቲ ሕክምናን ማይን ከም ዝውዕል ተገሊፁ።

ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣወሃሃዲ ህፁፅ ሓገዛት ማርክ ሎውኮክ “ከምዚ ዓይነት ጎንፂ ደው ከተብሎን ክትቆጻጸሮን ከቢድ እዩ። ነቲ ዝጠፍእ ህይወት ከኣ ክትመልሶ ኣይትኽእል። እቲ ዝፈጥሮ ኣሉታዊ ፅልዋታት’ውን ንነዊሕ ዝፀንሕ እዩ፤ ህጻናት ብዘይ ሓገዝ ተሪፎም ኣለዉ። ናብቲ ቦታ ንኽንኣቱ ኸኣ ገደብ ዘይብሉ መስመር ክኽፈተልና ኣለዎ” ኢሎም።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል  FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.