Fana: At a Speed of Life!

ሕማም ሳምቡእ ንሞት ህፃናት ቀዳማይ መበገሲ ከምዝኾነ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)”ብኽለት ኣየር ብምንካይ፣ መሰረታዊ ኣገልግሎት ስርዓት ጥዕናን ምግቢን ብምምሕያሽ፣ ብሕማም ሳምቡእ ሞቱ ህፃናት ነትርፍ” ብዝብል መሪሕ ቃል ዓለም ለኸ መዓልቲ ሕማም ሳምቡእ ኣብ ከተማ ጅግጅጋ ተኸቢሩ።

ምክትል ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ኣይተ መሓመድ መሓመድ ኣብዲ፥ ምስ ሕማም ሳምቡእ ተተሓሒዙ ክበፅሑ ዝነበሩ ፀገማት ምምሕያሻት ከምዘለዉ ተዛሪቦም።

ትሕቲ 5 ዓመት ዕድመ ዝፍጠር ሞት ብምንካይ ስትራቴጂክ ሽቶ ንምዕዋት ኩሎም መሓዙት ትካላት እናገበሩዎ ዝርከቡ ፃዕሪን ሓገዝን ንኸጠናኽሩ እውን ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ኣብ ሚኒስቴር ጥዕና ዳይሬክተር ህፃናትን ደቂ ኣንስትዮን ዶክተር መሰረት ዘላለም፥ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዓመት 36 ዝኾኑ ህፃናት 5 ዓመት እንተይመልኦም በቲ ሕማም ህይወቶም ከምዝስእኑ ኣብሪሀን።

ካብ ዝውለዱ 1 ሺሕ ህጻናት መጠን ሞት ትሕቲ 5 ዓመት እንትረአ እቲ ዝለዓለ ቁፅሪ ኣብ ክልል ሶማሌ 101ን ዝተሓተ ኣብ ኣዲስ ኣበባ 26 ከምዝኾ ምግላፁ ካብ ሚኒስቴር ጥዕና ዝረኸብና ሓበሬታ የረድእ፡፡

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.