Fana: At a Speed of Life!

ሓገዝ ተኸልኪለ ዝብል ኣሸባሪ ውድብ ህወሓት ሓገዝ እኽሊ ዝተኸመረሎም መኽዝናት ኣቃፂሉ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 30  ሓምለ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓገዝ ተኸልኪለ ዝብል ኣሸባሪ ውድብ ህወሓት ሓገዝ እኽሊ ዝተኸመረሎም መኽዝናት ከምዘቃፀለ ተገሊፁ።

በይናዊ ደው ምባል ተኹሲ ውሳነ መንግስቲ ብዘምቕባል ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ትንኮሳ ዝፍፅም ዘሎ ኣሸባሪ ህወሓት፥ ብሓደ ወገን ሓገዝ ተኸልኪለ ብምባል የእዊ፤ ብኻሊእ መዳይ ድማ ሓገዝ እኽሊ ዝተኸመረሎም መኽዝናት ከምዘቃፀለ ተገሊፁ።

እቲ ኣሸባሪ ኣብ ክልል ዓፋር ዝነበረን ሓገዝ እኽሊ ዝተኸዘነሉን መኽዘን ኣቃፂሉ።

ዕላማ እቲ ኣሸባሪ ጉጅለ ብስም ህዝቢ ትግራይ ናይ ባዕሉ ረብሓ ምኽባር ከመዝኾነ ተገሊፁ።

ስለዝኾነ ህዝቢ ትግራይ ኣብዚ ሐዚ እዋን ብኣመራርሓን ካድረታትን ኣሸባሪ ህወሓት ተማሪሩ ኣሎ፤ በቢከተምኡ ህዝቢ ሕቶ መየልዕል ኣሎ፤ ደቅና ምባል አውን ጀሚሩ ኣሎ።

ኣመራርሓ እቲ ጉጅለ ድማ ውላዱ ዘይሃበ ሓገዝ ኣይወሃብን ብዝብል መስ ህዝቢ ተፋጢጦም ከምዘለዉ ኢፕድ ፀብፂቡ።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.