Fana: At a Speed of Life!

ሓድነት ኣብ ዘጠናኽሩ ስራሕቲ ትኹረት ከምዝግበር ተሓቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝተትሓዘ በጀት ዓመት ሓድነት ኣብ ዘጠናኽሩ ስራሕቲ ትኹረት ከምዝግበር ሚኒስትር ባህሊን ስፖርትን ሸዊት ሻንካ አመልኪተን።

ሰብ ሞያ ኪነ ጥበብ፣ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ፣ ሓለፍቲ ስራሕ ክልልን ምምሕዳር ከተማን ኣብ ከተማ ደሴ ሓምለዋይ ኣሰር ኣንቢሮም፡፡

ኣብቲ እዋን እቲ ሚኒስቴር ንተምሃሮ ሓገዝ ናውቱ ትምህርቲ ከምዝገበረ ከምኡ እውን ንዓቕመ ደካማታት መኣዲ ከምዘካፈለን ንሕድሳት ገዛ ልዕሊ 1 ነጥቢ 5 ሚሊየን ብር ሓገዝ ከምዝገበረ እተን ሚኒስትር ንኣሚኮ ተዛሪበን፡፡

ሓድነትን ምትሕብባርን ህዝቢ ንምጥንኻር ዝተፈላለዩ ተግባራት ከምዝውገኑን እዚ ንምዕዋት ሰብ ሞያ ኪነ-ጥበብ ትፅቢት ዝግበረሎም ኣስተዋፅኦ ንኸበርክቱን ሓቲተን፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.