Fana: At a Speed of Life!

ሓዱሽ ዓመት እንትነኽብር ንሰላምን ምዕባለን ብምስራሕ ክኸውን ይግባእ – ኣቦታት ሃይማኖት

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጳጉሜን፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዝመፅእ ሓዱሽ ዓመት እንትነኽብር ንሰላምን ምዕባለን ብምስራሕን ሕድሕድ ብምትሕብባርን ክኸውን ይግባእ ክብሉ ኣቦታት ሃይማኖት ገሊፆም።

እቶም ኣቦታት ሃይማኖት ሓዱሽ ዓመት ኣመልኪቶም መግለፂ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም፡፡

ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም÷ ኣእምሮ በብምሕዳስ ብሓዱሽ ዓመት ንኢትዮጵያ ነሐድስ ኢሎም፡፡

ኣብ ሓዱሽ ዘበን ዘይምርድዳእ ብዕርቂ ብምፍታሕ ማሕበረሰብ ንምህናፅ ፃዕሪ ምግባር ከምዝግባእ እውን ኣንዚቦም፡፡

ፕሬዚዳንት ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ሼኽ ሓጂ ኢብራሂም ቱፋ ብግደኦም÷ ኢትዮጵያ ዝተፈላለዩ ተኸተልቲ ሃይማኖታት ብሰላምን ብፍቕሪን ተኸኣኢሎም ዝነብሩላ ሃገር ከምዝኾነት ፀሪሖም፡፡

ኩሉ እዚ ተኸኣኢልካ ናይ ምንባር ልምዱ ኣጠናኺሩ ክቕፅል ከምዝግባእ ብምግላፅ ኣብ ሓዱሽ ዓመት ዕርቂን ሰላምን ብምውራድ ንልምዓትን ምዕባለን ሃገር ክሰርሕ ከምዝግባእ ገሊፆም።

ሊቀጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ብፁዕ ካርዲናል ኣቡነ ብርሃነ የሱስም÷ ኣብ ሓዱሽ ዓመት ንለውጢ ምስንዳእ የድሊ ምባሎም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

ፕሬዚዳንት ሕብረት ወንጌላውያን አብያተ ክርስቲያናት ኢትዮጵያ ፓስተር ፃድቁ ኣብዶ÷ ሓዱሽ ዘበን ካብ ቤተሰብ ጀሚሩ ብብርኪ ሃገር ንሰላም እንፅልየሉን እንትግበረሉን ዘበን ንኽኸውን ተመኒዮም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.