Fana: At a Speed of Life!

ሓደ ሚሊየን ብር ዝፅጋዕ ዋጋ ዘለዎም ናይ ድሕንነት ካሜራታት ሰሪቖም ዝተብሃሉ ውልቀ ሰባት ተታሒዞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓደ ሚሊየን ብር ዝፅጋዕ ዋጋ ዘለዎም ንኣገልግሎት ድሕንነት ዝግጠሙ ካሜራታት ዝሰረቑ ተጠርጠርቲን እቶም ንብረታት ዝዓደጉ ውልቀሰባትን ኢድ ብኢድ ሒዙ እቶም ንብረታት ከምዘምለሰ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።

ኣብ ውሽጢ ኢንዱስትሪ ፓርክ ለሚኩራ ካብ ዝርከብ ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ውልቀ ኩባኒያ ሲ.ጀ.ሲ.ኦ.ሲ ኢትዮጵያ 996 ሺሕ ብር ዘውፅኡ 41 ንኣገልግሎት ድሕንነት ዝውዕሉ ካሜራታትን 36 መደገፊ ካሜራታትን ዝሰረቑ ተጠርጠርቲን እቶም ንብረታት ዝገዝኡ ክልተ ውልቀ ሰባትን ሒዙ እቲ ጉዳይ ኣናፃረየ ከምዝኾነ ኢዩ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ ዘሎ፡፡

እቲ ገበን ስርቂ ዝፈፀሙ ክልተ ውልቀ ሰባት ቅድሚ ሕዚ ኣብቲ ታካል ብመዓልታዊ ስራሕ ተቖፂሮም እናሰርሑ ከምዝነበረን መእተዊን መውፅኢን እቲ ትካል ምስኣፅንዑ 2 ለካቲት 2014 ዓ.ም እቲ ገበን ከምዝፈፀሙ ብምርመራ ከመዘረጋገፀ ፖሊስ ኣብሪሁ፡፡

እቶም ውልቀ ሰባት እቲ ገበን ምስሰረቑ ድሕሪ 10 መዓልቲ እቲ ትካል ንብረቱ ከምዝተሰረቐ ንፖሊስ ሪፖርት ከምዝገበረን፤ ፖሊስ እውን ብቴክኖሎጂ ብምሕጋዝ ብዝገበሮ ክትትል ሪፖርት እቲ ገበን ኣብ ዝበፅሖ ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ተጠርጠርቲ እም ንብረታት ሒዞም ኣብ ክፍለ ከተማ ቦሌ ፍሉይ ሽሙ ከባቢ ሮባ ዳቦ ቤት ኣብ ዝርከቡ ካብ ኢድ እቶም ንብረታት ዝዕድጉ ክልተ ውልቀ ሰባት ኣምሊሱ ምርመራ ከምዝቐፀለ ካብ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.