Fana: At a Speed of Life!

ሓደሽቲ ኣምባሳደራት ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ኣብ ምሕላው ሃገራዊ ሓላፍነቶም ክዋፅኡ ይግባእ – ኣይተ ደመቀ መኮንን

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ንኢትዮጵያ ክውክሉ ንዝተሸሙ ኣባሳደራት እናተውሃበ ዝነበረ ስልጠና ተዛዚሙ።

ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝተኻየደ ናይ መዛዘሚ መርሃ ግብሪ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒሰስትር ጉዳያት ወጻኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ተረኺቦም፡፡

ኣይተ ደመቀ መኮንን፥ ሓደሽቲ ኣምባሳደራት ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ብምሕላው ሃገራዊ ሓላፍነቶም ንኽዋፅኡ ኣተሓሳሲቦም።

ኣብ ዝምደቡሎም ሃገራት ትኽክለኛ ምስሊ ኢትዮጵያ ንዓለም ኣብ ምፍላጥ ሕውነታዊነት ብምፍጣር ዓለም ንኢትዮጵያ ንኽርዳእ ናይ ምግባር ዓቢዪ ሃገራዊ ሓላፍነት ከምዘለዎም እውን ኣፍሊጦም።

ነባራዊ ኩነታት ዓለም ዘገናዘበን ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዘን ሃገር ዘኹርዕ ስራሕ ንኽሰርሑ እውን ኣገንዚቦም።

ስልጠና ዝኸታተሉ ኣምባሳደራት ብግደኦም፥ እቲ ስልጠና ወድዓዊ ኩነታት ሃገርን ዓለምን ብዘገናዘበ መልክዑ ከምዝተውሃቦምን በዚ ድማ ዝተውሃቦም ሓላፍነት ብፍልጠት ንምፍፃም ከምዘኽእሎም ምግላፆም ትካል ፕሬስ ኢትዮጵያ ፀብፂቡ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.