Fana: At a Speed of Life!

ሓደሓደ ዓለም ለኸ ትካላት ኣብ ሓደ ከባቢ ጥራሕ ሓገዝ ንግበር ምባሎም ተቐባልነት የብሉን

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ዝተወሰኑ ዓለም ለኸ ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ሓደ ከባቢ ጥራሕ ሓገዝ ንግበር ዝብሉዎ ተቐባልነት ዘይብሉ ከምዝኾነ ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ዲኤታ እቲ ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን ከበደ ዴሲሳ ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ጉዳያት ኣድሂቦም መግለፂ ሂቦም፡፡

ኣብ መግለፂኦም ድማ ሓደሓደ ምዕራባውያን ወሃብቲ ትካላት መንግስቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምብፃሕ ዕንቅፋት ኮይኑ ኢዩ ዝብሉዎ ሓሳብ ተቐባልነት ከምዘይብሉ ተዛሪቦም፡፡

ዝተወሰኑ ዓለም ለኸ ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ካብ ሰብኣዊ ስራሕቲ ብዝዘለለ ኣብ ፖሌካዊ ከስቢ ከምዘተኮሩ ኢዮም እቶም ሚኒስትር ዲኤታ ዝገለፁ፡፡

እቶም ትካላት እቲ ግብረ ራዕዲ ጉጅለ ብወራር ኣብ ዝሓዞም ከባቢታት ዝርከቡ ዜጋታት ዝበፅም ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ንምልዓል ከምዘይደፍሩ እውን ኣብሪሆም፡፡

እዚ ድማ እቲ ወራሪ ጉጅለ እናፈፀሞ ዝርከብ ገበን ንምሕባእ ኢሉ እውን ናይ ባዕሎም ሕቡእ ድሌት ንምዕዋት ዝገብሩዎ ሽርሒ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡
 
እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ኣብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ወራር ኣብ ዝፈፀመሎም ከባቢታት ንፀገም ዝተቓልዑ ዜጋታት ካብ ሓፈሻዊ በዝሒ ህዝቢ ትግራይ ከምዝዛይድ ዝገለፁ እቶም ሚኒስትር ዲኤታ፥ ዝተወሰና ትካላት ኣብቶም ከባቢታት ሓገዝ ንምብፃሕ ፍቓደኛ ከምዘይኮኑ ተዛሪቦም፡፡

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.