Fana: At a Speed of Life!

ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ካፒታሉ ብር 709 ቢሊየን በፂሑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ካፒታሉ ብር 709 ቢሊየን ከምዝበፅሐ ኣፈፃሚ ስራሕ ዓውዲ ፋይናንስ እቲ ትካል ደመረ ኣሰፋ ኣፍሊጦም።

ካብ ሓፈሻዊ ሃፍቲ ካፒታሉ እቲ ብር 586 ቢሊየን ዝኸፈለ ከምዝኾነ ሓቢሮም።

ብመንግስቲን ብባዕሉን ብዝገበሮም ሪፎርምታት ኢኮኖሚ ትግበራ ናይቲ ትካል ዕዳ ካብ 55 ሚኢታዊ ናብ 20 ሚኢታዊ ምውራድ ከምዝተኽኣለ እወን ገሊፆም።

እቲ ትካል ኣብ 2006 ዓ.ም ከም ብሓዱሽ እንትጣየሽ ብር 34 ነጥቢ 768 ቢሊየን ዝተኸፈለ ካፒታል ብምሓዝ ከምዝነበረ ብምዝኽኻር፥ እቲ ኣሃዝ ብብዙሕ ዕፅፊ ክብ ብምባሉ እቲ ኣዋጅ ምምሕያሽ ከምዘድሊ ሓቢሮም።

ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ልዕሊ 19 ጣቢያታት መፈልፈሊ ሓይሊ፣ 20 ሺሕ ኪሎ ሜትሮ ንውሓት ዘለዎም መስመራት መተሓላለፊ ልዑል ሓይሊ፣ ልዕሊ 144 ብዙሓት ህንፃ ጣቢያታት መከፋፈሊ ሓይሊን ልዕሊ 900 ተሽከርከርቲን ከምዘለውዎ ተሓቢሩ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.