Fana: At a Speed of Life!

ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ልዕሊ 26 ቢሊየን ብር ኣታዊ ኣኪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣብ በጀት ዓመት 2016 ዓ.ም ልዕሊ 26 ቢሊየን ብር ኣታዊ ከምኣከበ ኣፍሊጡ።

ፈፃሚ ስራሕ ዘፈር ፋይናንስ እቲ ትካል ኣይተ ደመረ ኣሰፋ ከምዝገለፁ÷ እቲ ኣታዊ ካብ መሸጣ ሓይሊ፣ ካብ ክራይ ፋይበር ኦፕቲክስን ካብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ዝተዘዋወረ መሸጣ ሓይሊን ከምኡ እውነካብ ዝተፈላለዩ ፍልፍላት እቶት ዝተኣከበ ኢዩ፡፡

እቲ ትካል ኣብቲ በጀት ዓመት 27 ነጥቢ 46 ቢሊየን ብር ንምእካብ ሃቂኑ ልዕሊ 26 ነጥቢ 43 ቢሊዮን ብር ብምእካብ 96 ሚኢታዊ ትልሙ ከምዘዕወተ ገሊፆም፡፡

ኣብ በጀት ዓመት 2016 ዝተኣከበ ኣታዊ ምስ ዝሓለፈ ተመሳሳሊ በጀት ዓመት እንትነፃፀር 19 ነጥቢ 8 ሚኢታዊ ሓለፋ ዘለዎ ከምዝኾነ ግላፆም ሓበሬታ እቲ ትካል የነላኽት፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.