Fana: At a Speed of Life!

ሓይሊ ኣየር ፌዴሪኢ ን1 ሺሕን 29 መኮንናት ሓይሊ ኣየር ዕብየት መዓርግ ሂቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጳጉሜን፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሓይሊ ኣየር ፌዴሪኢ ን1 ሺሕን 29 መኮንናት ሓይሊ ኣየር ዕብየት መዓርግ ሂቡ።

ዋና ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ፌዴሪኢ ጀነራል ይልማ መርዳሳ ነቲ ዕብየት መዓርግ ሂቦም።

እቲ መዓርግ ዕብየት ንተወሳኺ ሓላፍነት ዝዕድም ብምዃኑ፥ እቶም መኮንናት ዝተጀመሩ ፕሮጀክቲታት ንዓወት ከብፅሑ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

ኣብቲ ዕለት ምምዝጋብ ሃፍቲ ላዕለዎት ኣመራርሓ ሓይሊ ኣየር፣ ምርቓት ድረ ገፅን ምፍላጥ ዕጥቂ ኣብረርቲን ተኻይዱ።

ኣብቲ እዋን ኣባላት ሰራዊት ንፕሮጀክት “መኣዲ ንሃገር” ዝኸውን ናይ ሓደ ወርሒ መሃየኦም ንምሃብ ቃል ከምዝኣተዉ ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.