Fana: At a Speed of Life!

ሓይሊ ኣየር ዘበኑ ዝበፅሖ ዕጥቂ ክሳብ ምዕጣቕ ዝበፅሐ ትካል ኩርዓት ሃገር ኮይኑ ኢዩ – ሌ/ጀ ይልማ መርዳሳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓይሊ ኣየር ዘበኑ ዝበፅሖ ዕጥቂ ክሳብ ምዕጣቕ ዝበፅሐ ኩርዓት ሃገር ዝኾነ ትካል ኢዩ ክብሉ ዋና ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ሌቴናል ጀኔራል ይልማ መርዳሳ ገሊፆም።

ወታደራዊ ኣካዳሚ ኢትዮጵያ መበል 70 ሕፁያት መኮንናትን ሰልጠንቲን ቃኘው ኮርስ ኣብቲ ሓይሊ ኣየር ዑደት ገይሮም።

ኣብቲ ዑደት ዝተረኸቡ ሌተናል ጀኔራል ይልማ መርዳሳ÷ እቲ ሓይሊ ኣየር ነዊሕ ዘበን ታሪኽ ዘለዎ ዕዙዝ ትካል ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

እቲ ለውጢ ስዒቡ ኣብቲ ትካል ብዝተሰርሐ ትግበራ ሪፎርም ካብ ዝነበሮ ዝተሓላለኸ ፀገም ብምንጋፍ ኣቐዲሙ ናብ ዝነበሮ ብራኸ ንምምላስ ዝተሰርሐ ስራሕ ልዑል ውፅኢት እናምፀአ ከምዝኾነ ገሊፆም።

“ብዝተሰርሐ ጥንኩር ስራሕ እቲ ሓይሊ ኣየር ሉኣላዊነት ሃገርና ናብ ዝረጋገፀሉ ቁመና ተመሊሱ ኢዩ” ክብሉ ገሊፆም፡፡

ካብዚ ሓሊፉ ድማ እቲ ሓይሊ ኣየር ግዚኡ ዝበፅሖ ሓይሊ ኣየር ዕጥቂ ክሳብ ምዕጣቕ ዝበፅሐ ኩርዓት ሃገር ዝኾነ ትካል ከምዝኾነ ኣገንዚቦም፡፡

ተሳተፍቲ እቲ ዑደት ብግደኦም÷ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ሕዚ ዝበፅሐሉ ብርኪ ዕቤት ከምዝተደነቑ ኣልዒሎም፡፡

ዕቤትን ናይ ቀፃሊ ራኢን ልዑል ተበግሶ ከምዝፈጠረሎም ምሕባሮም እውን ካብ ማሕበራዊ ሚዲያ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.