Fana: At a Speed of Life!

ሓይሊ ኣየር ብቑዓት ኣመራርሓ እቲ ሰራዊት ንምፍራይ ድሕሪ ለውጡ ውፅኢታዊ ስራ ወጊኑ ኢዩ – ሌ/ጄ ይልማ መርዳሳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዋና ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ፌዴሪኢ ሌተናል ጄኔራል ይልማ መርዳሳ ኣብ ልምዓት ሓይሊ ሰብ ብፍላይ ድማ ብቑዓት ኣመራርሓ ሰራዊት ንምፍራይ ድሕሪ ለውጢ ውፅኢታዊ ስራሕ ከምዝተሰርሐ ገሊፆም።

ዋር ኮሌጅ ምክልኻል ዘሰልጠኦም ካብ ሓይሊ ኣየር ፌዴሪኢ ዝተውፃእፅኡ 24 ላዕለዎት ኣመራርሓ ሰራዊት ብሰርተፊኬት ኣመሪቑ።

እቶም ላዕለዎት ኣመራርሓ÷ ኣብ ሃገራዊ፣ ከባቢያዊን ዓለም ለኻዊን ከምኡ እውን ሓፈሻዊ ንድፈ ሓሳባት ኲናት ሓዊሱ ኣብ መሰል ተዛነድቲ ርእሰ ጉዳያት ኣድሂቦም ከምዝሰልጠኑ ተገሊፁ።

ኣብ መዛዘሚ ስነ-ስርዓት እቲ ስልጠና ዝተረኸቡ ዋና ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ፌዴሪኢ ሌተናል ጄኔራል ይልማ መርዳሳ፤ እቲ ሓይሊ ኣየር ኣብ ልምዓት ሓይሊ ሰብ ብፍላይ ድማ ብቑዓት ኣመራርሓ ሰራዊት ንምፍራይ ድሕሪ ለውጢ ውፅኢታዊ ስራሕ ከምዝሰርሐ ገሊፆም።

እቲ ትካል ብኸኹሉ መዳይ ንዘመዝገቦ ዓወት ብቐንዱ ቆራፅ ግደ ኣመራርሓ ወሳኒ ከምዝኾነ እውን ኣብሪሆም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.