Fana: At a Speed of Life!

ሓይሊ ናይ ምፍልፋል ስራሕ ንምዝማን እናተሰርሐ ከምዝኾነ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሚያዚያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ጣቢያታት መፈልፈሊ ሓይሊ ዝተፈላለዩ ናይ ንምዝማን ስራሕቲ እናተሰርሑ ከምዝኾኑ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ኣፈፃሚ ስራሕ ኦፕሬሽን መፈልፈሊ ሓይሊታት እቲ ትካል ኣይተ እያየሁ ሁንዴሳ ከምዝገለፁዎ፥ ሓይሊ ናይ ምፍልፋል ስራሕቲ ብዘበናዊ መገዲ ንምትግባር ኣብ ጣቢያታት መፈልፈሊ ሓይሊ ዝፈላለዩ ናይ ምዝማን ስራሕቲ እናተሳለጡ ይርከቡ፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን ድማ ኣብ ጣቢያ መፈልፈሊ ሓይሊ ማይ ግልገል ጊቤ 2 መዓልታዊ ስራሕቲ፣ ስርዓት ቁፅፅርን ቴክኒካል ዝኾኑ ሓገዛት ዘበናዊ ብዝኾነ መልክዑ ክስርሑ ንምግባር ዝተፈላለዩ ስራሕቲ እናተሳለጡ ከምዝኾኑ ገሊፆም፡፡

ከም ሃገር ሓይሊ ኤሌክሪክ ኣብ ዝቋፀሉ እዋን ካብ ግልገል ጊቤ 3 ክሳብ ገላን ዝተዘርግሑ መስመራትን ዩኒታት እቲ ጣቢያን ብማንዋል እናተፈተሹ ከምዝነበረ ዝሓበሩ እቶም ኣፈፃሚ ስራሕ፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን እቲ ስራሕ ኣውቶማቲክ ንምግባር ናይ ምዝማን ስራሕ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

እቲ ስራሕ ንምፍፃም 420 ሺሕ ዶላር በጀት ተታሒዙ ዶንግ ፋንግ ምስ ዝተብሃለ ኩባኒያ ቻይና ስምምዕነት ውዕሊ ከምዝተፈረመ ገሊፆም፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.