Fana: At a Speed of Life!

ሓይሊ ባሕሪ ኣሜሪካ 12 ድሮናት ሃውቲ ምውቅዑ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓይሊ ባሕሪ ኣሜሪካ ኣብ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ 12 ድሮናት ሃውቲ ወቒዑ ከምዘውደቐ ኣፍሊጡ።

ማእኸላይ እዚ ኣሜሪካ ከምዝሓበሮ፥ ሓይሊ ባሕሪ ኣሜሪካ ኣብ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ብዝገበሮ ወፍሪ ሶለስተ ፀረ መርከብ ባለስቲክ ሚሳኤላት፣ ክልተ ክሩዝ ሚሳኤላትን 12 ድሮናትን ወቒዑ ከምዘውደቐ ኣፍሊጡ፡፡

እቶም ሚሳኤላት ኣብ 10 ሰዓታት ብዕጡቓት ሃውቲ ዝተተኮሱ ከምዝኾኑ ዝገለፀ እቲ ማእኸላዊ እዚ፥ ብዝተወሰደ ወፍሪ ፀረ መጥቃዕቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ዝርከባ መራኽብ ዝኾነ ይኹን ጉድኣት ከምዘይበፅሐ ኣመልኪቱ፡፡

ማእኸላይ እዚ ኣሜሪካ እዚ ይበል እምበር÷ ዕጡቓት ሃውቲ ኣብ ዝተቖፃፀሩዎም ከባቢታት ኣብ ልዕሊ ትንቀሳቐስ ሓንቲ መርከብ መጥቃዕቲ ሚሳኤል ከምዝፈፀሙ ኣፍሊጦም፡፡

ምስ እዚ ተተሓሒዙ ዕጡቓት ሃውቲ ኣብ ዝተቖፃፀሩዎ ግዝኣት የመን ከባቢ ኣብ ዝርከብ ወደብ ኢላት መጥቃዕቲ ሚሳኤል ከምዝተፈፀሙ ፕሬስ ቲቪ ፀብፂቡ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.