ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያን ሩሲያን ብምትሕብባር ምስራሕ ኣብ ዝኽእልሉ ጉዳያት ዘትዮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 5 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሓይሊታት ባሕሪ ኢትዮጵያን ሩሲያን ብምትሕብባር ምስራሕ ኣብ ዝኽእልሉ ጉዳያት ዘትዮም፡፡
ብምክትል ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ኣድሚራል ቪላዲሚር ቮሮቢቭ ዝተመርሐ ልኡኽ፥ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ዝሃንፆም ላዕለዋይ መምርሒ ትካላት ሓይሊ ባሕሪን ኣብ ቢሾፍቱ ዝርከብ ማእኸል መሰልጠኒን ዑደት ኣሳሊጦም፡፡
ድሕሪ እቲ ዑደት÷ ኣብ ቀፃሊ ምስ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ዝህልው ጉዳያት ምትሕብባር ዘተ ምክያዱ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ሰራዊት ምክልኻል ዝተረኸበ ሓበሬታ ይገልፅ፡፡
ኣብ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ምክትል ኣዛዚ ኮሞዶር ንኦፕሬሽናል ጀማል ቱፊሳ፥ እቲ ምትሕብባር ኣብ ስልጠናን ዓቕሚ ህንፀትን ጠመተ ዝገበረ ምዃኑ ሓቢሮም፡፡
ኣብ ቀፃሊ ሓቢርና ንምስራሕ ትካልና ዝጀመሮ ህንፀት ሓይሊ ባሕሪ ንምጥንኻር ኣብ ዓለም ለኸ ማይ ረብሓ ሃገርና ንምኽባር ምድላዋትና ብዝበለፀ ንምጥንኻር ከምዝዘተዩ ተገሊፁ፡፡
ብሓባር ሓይሊ ባሕሪ ዘጠናኽሩሉን ኣብ ቀፃሊ ምትሕብባር ንምምችቻዉ ድሕሪ እቲ ዘተ ስምምዕነት ተኸቲሙ፡፡