Fana: At a Speed of Life!

ሓቢርካ ንምስራሕ ዘለዉ ክብሪታት ተጠቒምና ሃገርና ነማዕብል – ወ/ሮ ሙፈሪሃት ካሚል

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)”ኢትዮጵያውያን ሓቢርካ ኣብ ምስራሕ ዘለዉና ክብሪታት ተጠቒምና ሃገርና ነማዕብል” ክብላ ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ወይዘሮ ሙፈሪሃት ካሚል ፀዊዐን።

ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን ምስ መዳርግቲ ኣካላት ልዝብ የካይድ ኣሎ፡፡

ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸባ ወይዘሮ ሙፈሪያት ካሚል፥ ዕላማ እቲ ዘተ ብቑዕ ዝኾነ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ይኹን ወፃኢ ሓይሊ ሰብ ንምፍራይ፣ መሰል ሰራሕተኛታት ዝሓለወ፣ ጥዑይ ርክብ ሰራሕተኛን መስራሓይን ንምፍጣር ሓዱሽ ምስ ዝተጣየሸ ሚኒስቴር ቤት ዕዮ ብሓባር ምስራሕ ዝከኣለሉ ኩነታት ንምትዕርራይ ከምዝኾነ ተዛሪበን፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ “ኢትዮጵያውያን ሓቢሮም ንምስራሕ ይኹን ሓቢርካ ንምንባር ዝተዓደልና ስለዝኾንና ብዙሓት ክብሪታት ተጠቒምና ሃገርና ብሓባር ነማዕብል” ክብላ ፀዊዐን፡፡

ሚኒሰስትር ዲኤታ ስራሕን ክእለትን ኣይተ ንጉሱ ጥላሁን ብዛዕባ እቲ ሚኒስቴር ቤት ዕዮ ገለፃ ዝገበሩ እንትኾኑ፥ ቅድም ክብል እናጋጠሙ ዝነበሩ ፀገማት ንምፍታሕን ትኹረት ዝደልዩ ጉዳያትን ንምዕዋት ኩሉ ናይ ባዕሉ ኣስተዋፅኦ ከበርክት ከምዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡

ኣብ ምሰራሓይን ሰራሕተኛን ከምኡ እውን ሆቴልን ቱሪዝምን ዝስተውዓሉ ፀገማት ሕቶታትን ርኢቶታትን ቀሪቦም ልዝብ እናተገበረሎም እንትኸውን፥ ተሳተፍቲ እቲ ዘተ ብሓባር ንምስራሕ ድሉዋት ከምዝኾኑ ምግላፆም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.