ሓበራዊ ጉባኤ ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ሴክተርን በጀት ዓመት 2014 ይሳለጥ ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓበራዊ ጉባኤ ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ሴክተርን በጀት ዓመት 2014 “ብፈተናታትና እንተይተበዳህና ዓወታትና እናስፋሕና ንዝለዓለ ዝላ ክንተግህ ኢና” ብዝብል መሪሕ ቃል ኣብ ከተማ ኣዳማ ይሳለጥ ኣሎ።
ኣብቲ ሓበራዊ ጉባኤ÷ ሚኒትር ደቂ ኣንስትዮን ማሕራዊ ጉዳይን ዶክተር ኤርጎጌ ተስፋየ ሓዊሱ ኣባላት ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ልምዓት ማሕበራዊ ጥዕናን ባህሊን ስፖርትን ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ፣ ኣመራርሓታት እቲ ትካል፣ ሓለፍቲ ቢሮ ክልላት፣ ኣመራርሓታት ሲቪክ ማሕበራት ከምኡ እውን ሓለፍቲ ዝተፈላለያ ካላት ፌዴራል ተረኺቦም፡፡
ገምጋም ኣፈፃፅማ በጀት ዓመት 2014 ዓ.ምን ኣብ ትልሚ በጀት ዓመት 2015 ዓ.ምን ዘተ ብምግባር ኣንፈታት ክቕመጡ ኢም ዝብል ትፅቢት ከምዘሎ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com