Fana: At a Speed of Life!

ሓበራዊ ኮሚቴ ሚኒስቴር ጥዕና፣ ክልላትን ተፀዋዕቲ ትካላትን ስራሕቲ ቅድመ ምክልኻል ቫይረስ ኮሮና ገምጊሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሓበራዊ ኮሚቴ ሚኒስቴር ጥዕና፣ ክልላትን ተፀዋዕቲ ትካላትን ኣብ ቅድመ ምክልኻል ቫይረስ ኮሮና ዝተሰርሑ ስራሕቲ ገምጊሙ።

እቲ ሓበራዊ ኮሚቴ ኣብቲ ጉዳይ ኣድሂቡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እናካየዶ ዝፀንሐ ኣኼባ ዛዚሙ ኣሎ።

ኣብቲ ኣኼባ ድማ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰን ሚኒስትር ዲኤታ ጥዕና ዶክተር ደረጀ ዱጉማን ሓዊሱ ሓለፍቲ ቢሮ ጥዕኛ ክልላትን ተወከልቲ ተፀዋዕቲ ትካላትን ተረኺቦም ኢዮም።

ካብ 3 መጋቢት 2012 ዓ.ም ጀሚሩ ንዝሓለፉ ተኸታተልቲ ክልተ መዓልቲታት ዝተኻየደ እቲ ኣኼባ፥ ኣብ ቅድመ ምክልኻል ቫይረስ ኮሮና ዝተሰርሑ ስራሕቲ ምግምጋሙ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

ብተወሳኺ ኣብ ካልኦት ኣጀንዳታት ከምዝተዛተዩን ኣብ ቀፃሊ ክስርሑ ዝግበኦም ስራሕቲ ኣንፈት ብምቕማጥን ኣኼበኦም ከምዝዛዘሙ ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.