Fana: At a Speed of Life!

ሓበራዊ ኮሚሽን ኢትዮ-ሩሲያ ኣብ ሞንጎ እተን ሃገራት ዝተበፅሑ ስምምዓት ዝርከቡሉ ብርኪ ገምጊሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሓበራዊ ኮሚሽን ኢትዮ-ሩሲያ ኣብ ሞንጎ እተን ሃገራት ዝተበፅሑ ስምምዓት ዝርከቡሉ ብርኪ ገምጊሙ።

መራሕቲ እቲ ሓበራዊ ኮሚሽን ኣብ ጉዳያት ኢኮኖሚ፣ ሳይንስን ንግዲን ኣድሂቦም ዘቲዮም።

ሚኒስትር ትምህርቲ ዶክተር ጌታሁን መኩሪያን ምክትል ሚኒስትር ሃፍቲ ተፈጥሮን ጉዳያት ከባቢን ሓላፊ ኤጀንሲ ሃፍቲ መዓድንን ኤቫግኒ ኪሰልቭን ብቪዲዮ ኮንፈረንስ ተዛቲዮም።

ክልቲኦም ሚኒስትራት፥ ከም ኣቆፃፅራ ኣብ 2019 መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ሩሲያ ከተማ ሴንት ፒተርስበርግ ዝተስማዕሙዑሎም ጉዳያት ዝርከቡሉ ብርኪ ገምጊሞም።

ኣብቲ እዋን ዘተ፥ እቲ ኮሚሽን ርክብ ክልቲአን ሃገራት ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንምስግጋር ልዑል ኣስተዋፅኦ ምግባሩ ተገሊፁ።

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ፥ ኢትዮጵያ ቴክኖሎጂ ኒኩሌር ኣብ ሰላማዊ ረብሓ ንምውዓል ዘኽእላ ስምምዕነት ምፃዳቑ እቲ ሓበራዊ ኮሚሽን ኣድኒቑ።

ኣብቲ እዋን ዘተ፥ ሻምናይ ሓበራዊ ኣኼባ እቲ ኮሚሽን ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2021 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንምግባር ምስምዕምዑ ካብ ሚኒስቴር ትምህርቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.