ሓበራዊ ኣኼባ ምምሕዳራትን ኮሚሽነራትን ዶብ ኢትዮ-ጅቡቲ ተዛዚሙ
ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ንክልተ መዓልታት ክሳለጥ ዝፀንሐ መበል 28 ሓበራዊ ኣኼባ ምምሕዳራትን ኮሚሽነራትን ዶብ ኢትዮ-ጅቡቲ ተዛዚሙ።
መራሒት ልኡኽ እቲ ኣኼባ ዋና ዳይሬክተር ኢሚግሬሽንን ኣገልግሎት ዜግነትን ወ/ሮ ሰላማዊት ዳዊት፥ ኣብቲ ኣኼባ ክልቲአን ሃገራት ብዝበለፀ ተረባሕቲ ኣብ ዝገብሩ ዛዕባታት ብሓባር ንምስራሕ ስምምዕነት ከምዘተገበረ ተዛሪበን።
ዋና ፀሓፊ ሚኒስቴር ጉዳይ ውሽጢ ዓዲ ጅቡቲ ሱሉማን ሙኣሚን ብግደኦም፥ እቲ ኣኼባ ሰትራቴጂክ ጉዳያት ጠመተ ብምግባር ዓምዩቕ ዘተ ዝተገበረሉ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።