Fana: At a Speed of Life!

ሓበራዊ ምትሕብባር ልምዓት ዶብ ክልል ቤኒንሻንጉል ጉሙዝን ግዝኣት ብሉ ናይልን መድረኽ ዘተ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 20 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሓበራዊ ምትሕብባር ልምዓት ዶብ ክልል ቤኒንሻንጉል ጉሙዝ ኢትዮጵያን ግዝኣት ብሉ ናይል ሱዳንን ዘድሃበ መድረኽ ዘተ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ከተማ ኣሶሳ ምክያድ ጀሚሩ።

ብፕሬዚዳንት ግዝኣት ብሉ ናይል ሱዳን ጄኔራል ኣሕመድ ኣልዑምዳ ዝተመርሐ ልኡኽ ላዕለዎት ኣመራርሓታት ኣብቲ ዘተ ንምስታፍ ትማሊ ምሸት ናብ ክልል ቤኒንሻንጉል ጉሙዝ ከተማ ኣሶሳ ምእታዉ ይዝከር፡፡

እቶም ልኤኻት ናብ ኣሶሳ እንትኣትዉ ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣይተ ኣሻድሊ ሓሰን ሓዊሱ ላዕሎወት ኣመራርሓታት ኣቀባብላ ገይሮምሎም ኢዮም፡፡

ኣብ ናይ ሎሚ መዓልቲ ዘተኦም ቅድሚ ሕዚ ዝነበሩዎም ሓበራዊ ስራሕቲ ብምግመምጋም ዝተጀመሩ ስራሕቲ ኣብ ዘጠናኽሩሎም ጉዳያት ኣድሂቦም ከምዝዛተዩ ትፅቢት ይግበር፡፡

ኣብቲ መድረኽ ላዕለዎት ኣመራርሓታት ፀፅታ ፌዴራልን ክልል ቤኒንሻንጉል ጉሙዝ መንግስቲን ከምዝተረኸቡ ካብ ኮሙዩኒኬሽን እቲ ክልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.