Fana: At a Speed of Life!

ሓበራዊ መድረኽ ዘተ ብሄራዊ ኮሚሽን ተሃድሶ ፅባሕ ኣብ መቐለ ክካየድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓበራዊ መድረኽ ዘተ ብሄራዊ ኮሚሽን ተሃድሶ መዳርግቲ ኣካላት  ፅባሕ ኣብ መቐለ ክካየድ ኢዩ።

ዕላማ እቲ መድረኽ፥ ድሕሪ ስምምዕነት ኣብ ትግራይ ዝተረጋገዐ ኩነታት ምህላዉን ኣብ መንጎ ኽልቲኦም ወገናት ምትእምማን ምጉልባቱን ንምርኣይ ኢዩ ተባሂሉ።

ስለዝኾነ ኣብቲ ዘተ ንምስታፍ ኮሚሽነር ብሄራዊ ኮሚሽን ተሃድሶ ኣምባሳደር ተሾመ ቶጋን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕን ሎሚ መዓልቲ መቐለ ኣቲዮም።

እቲ መድረኽ፥ መንግስቲ ንነበር ተዋጋእቲ ዘላቒን ሰላማዊን ህይወት ንክመርሑ ንምግባር ዘለዎ ቁርፀኝነት ንምርግጋፅ ኢዩ ተባሂሉ።

እዚ ሃገራዊ ልኡኽ ንምትግባር ብሄራዊ ኮሚሽን ተሃድሶ ብቤት ምኽሪ ሚኒስቴራት ደንቢ ቁፅሪ 525/2015 ብምጥያሽ ናብ ስራሕ ምእታዉ ንምርኣይ እውን ኢዩ ተባሂሉ።

ብተወሳኺ ኣብ ህንፀት ሰላም፣ ልምዓትን ዴሞክራሲን እዛ ሃገር ንክሳተፉ ከምኡወን ብዘላቒነት ናብ ሰላማዊ ናብራ ዝምለስሉ ስርዓት ምዝርጋሕን ኣብዛ ሃገር ዘላቒ ሰላምን ልምዓትን ንምምፃእ ዝግበር ፃዕሪ ምድጋፍ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ብዘመን በየነ

#መቐለ

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.