Fana: At a Speed of Life!

ሓበራዊ ሓይሊ ዕማም ፀፅታን ድሕንነትን ካብ 3 ክሳብ 11 ሓምለ 2016 ዓ.ም ዝወሃብ ፈተና 12 ክፍሊ ብሰላም ንክዛዘም እኹል ምድላው ከምዝገበረ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓበራዊ ሓይሊ ዕማም ፀፅታን ድሕንነትን ካብ 3 ክሳብ 11 ሓምለ 2016 ዓ.ም ዝወሃብ ፈተና 12 ክፍሊ ብሰላም ንክዛዘም እኹል ምድላው ከምዝገበረ ገሊፁ።

እቲ ሓበራዊ ሓይሊ ዕማም እቲ ፈተና ብሰላም ንክዛዘም ዓጀባ ናውቲታት ፈተና፣ ሓለዋን ተፍቲሽን ከምዝገብር ኣፍሊጡ።

ህዝቢ ነዚ ፈሊጡ ኣድላዪ ትሕብብር ከምዝገብርን ዘጠራጥሩ ኩነታት እንትዕዘብ ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ዘዳለዎ መተግበሪ ተሳትፎ ዜጋታት(EFPApp)  ብምጥቃም ወይ ነፃ መስመር ስልኪ 991 ብምድዋልን ሓበሬታ ብምሃብን ወይ ኣብ ከባቢኡ ንዝርከቡ ሓይሊታት ፀፅታ ሓበሬታ ብምሃብ ትሕብብር ንክገብር እቲ ሓይሊ ዕማም ፃውዒት ኣቕሪቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.