ሓርበኝነት ማለት ኣብ ጉዳይ ሃገር ንሓቅን ርትዕን ዝኽፈል መስዋእቲ እዩ- ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ
ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓርበኝነት ማለት ኣብ ጉዳይ ሃገር ንሓቅን ርትዕን ዝኽፈል መስዋእቲ እዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ገሊፆም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር መበል 81 ዓመት መዓልቲ ዓወት ሓርበኛታት ኢትዮጵያውያን ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም።
ኣብ መልእኽቶም፥ ጀጋኑ ኣዶታትናን ኣቦታትናን ናፅነትን ላኣላውነትን ሃገሮም ንምሕላው ክብሉ መተካእታ ዘይብሉ ሂወቶም ምኽፋሎም ኣዘኻኺሮም።
ሎሚ እዚ ናይ ሂወት ዋጋ ዝኸፈሉ ሓርበኛታትና ብኽብሪ ክንዝክሮም ኢና ኢሎም።
ኣንሕና ደቆም ፣ ቀዳሞት ሓርበኛታት ዘኽበርዋ ሃገር ልዕልናን ብልፅግናን ንምምፃእ ዋጋ ነኸፍል ተተካእቲ ሓርበኛታት ወለዶ ከምዝኾንና ክነረጋግፅ ይግበአና ኢሎም ኣብ መልእኽቶም።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።