Fana: At a Speed of Life!

ሓሙሽቲአን ኒኩሌር ዝተዓጠቓ ሃገራት ውድድር ጦር መሳርሒ ንዘይምግባር ተስማዕሚዐን

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓሙሽቲአን ጦር መሳርሒ ኒኩሌር ዝተዓጠቓ ሃገራት ካብ ዝገብረኦ ውድድር ጦር መሳርሒ ኑክሌር ንኽዕቀባ ብሓባር ኣብ ዘውፀአኦ መግለፂ ኣፍሊጠን።

ቻይና፣ ሩሲያ፣ ፈረንሳይ፣ ብሪታንያን ኣሜሪካ ኣባላት ቤት ምኽ ፀፅታ እንትኾና፥ ኲናት ኒውክሌር ንምትራፍ ዝተገበረ ስምምዕ ዘለወን ቆራፅነት ኣረጋጊፀን።

እተን ኣባል ሃገራት ብኒውኩሌር ኲናት ምስዓር ከምዘየለ ብምግንዛብ ጦር መሳርሒ ኑክሌር ንዘይምስፍሕፋሕን ውድድር ንዘይምግባርን ኣብ ስምምዕ ከምዝበፅሓ ኣብ መግለፂአን ኣረጋጊፀን ተባሂሉ።

እተን ሃገራት ኣብ መግለፂአን ከምዘፍለጠኦ፥ ኣብ ሞንጎ ሃገራት ዘይምስምዕማዕ እንትፍጠር ፀገማት ኣብ ክሊ ጠረጴዛ ብልዝብ ምፍታሕ እምበር ብኲናት ከምዘይፍታሕ ኣብ ምርድዳእ በፂሐን፡፡

ርክበን ኣብ ምክብባርን ብምድግጋፍን ዝተመርኮሰ ንኽኸውን፣ ጎንፂታት እንትፍጠሩ ድማ ብልዝብ ንምፍታሕ ከምዝተስማዕማዓ እተን ሃገራት ኣብ ሓበራዊ መግለፂአን ኣፍሊጠን።

ሓሙሽቲአን ሃገራት ዘይተፈቐደ ጦር መሳርሒ ኑክሌር ንምክልኻል ዝወስዱዎ ስጉምቲ ኣጠናኺርካ ንምቕፃል ዘለወን ድሌት እውን ኣርእየን ክብል ሲጂቲአን ፀብፂቡ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.