Fana: At a Speed of Life!

ሓሙሽተ መራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ኣርባዕተ መዓልቲ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ 72 ናይ ሕሶት ዜና ሰሪሖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሲኤንኤን፣ ኣልጀዚራ፣ ቢቢሲ፣ ኣሶሼትድ ፕረስን ፍራንስ 24 ዝተብሃሉ ምዕራባውያን መራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ መዓልቲ 72 ናይ ሕሶት ዜናታት ከምዝፈነዉ ተሓቢሩ።

ኣብ ቴሌቪዥን ኢቢኤስ ዝመሓላለፍ መደብ ቴክቶክ ኣሰናዳኢ ዝኾነ ሰሎሞን ካሳ ኣብ ትዊተር ገፁ ኣብ ዘመሓላለፎ ሓበሬታ፥ ምዕራባውያን መራኸብቲ ሓፋሽ ኮነ ኢሎም ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ራዕዲ ንምፍጠር ፀብፃባት ብስፍዓት ኣናጋውሓ ከምዝኾና ገሊፁ።

ሎሚ እውን ኣተሓሳስባ ባዕዳዊ ግዝኣት ኣሎ ዝበለ ሰሎሞን፥ ቀንዲ ዕላማ እቶም ኣብዚ ሰሙን ዝጋውሑ ናይ ሕሶት ፀብፃባት እውን ኣዲስ ኣበባ በቶም ግብረ ራዕዲ ጉጅለታት ከምዝተኸበበት ብምምሳል ራዕዲ ምንዛሕን ስነ-ኣእምሮኣዊ ዘይምርግጋዕ ምፍጣርን ከምዝኾነ ተዛሪቡ።

ትማሊ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ክልል ከተማታትን ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ብዝገበሩዎ ሰልፊ ምዕራባውያን መራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዘጋውሐኦ ናይ ሕሶት ፀብፃብ ብምኹናን ተቓውሞ ምስመዖም ይፍለጥ፡፡

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.