Fana: At a Speed of Life!

ሓላፍነት ዝጎደሎም ኣካላት ንሓደገኛ ኣጀንዳ ፖለቲካ እንትበሃል ዝፈጥሩዎም ዘለዉ መሰረት ኣልቦ ፀለመታት ኢትዮጵያ ተውግዝ-መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 18 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓላፍነት ዝጎደሎም ኣካላት ንሓደገኛ ኣጀንዳ ፖለቲካ እንትበሃል ዝፈጥሩዎም ዘለዉ መሰረት ኣልቦ ፀለመታት ኢትዮጵያ ተውግዝ ክብል ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ኣፍሊጡ።

በምዕራባዊያን ዝተፈላለዩ ኣካላት ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝንዝሑ ናይ ሓሰን ምፅላማት ስም መንግስቲ ኢትዮጵያ ፈፂሙ ኣይዕገስን። እቶም ኣካላት ኣብ ኢትዮጵያ ዝኸፍአ ገበናት ክፍፅሙ ይኽእሉ ኢዮም ዝብል ናይ ህወሓት ጊዘ ዝሓለፎ ፕሮፓጋንዳ ምድግጋሞም ዘሕፍር ኢዩ።

እቶም ኣካላት ዝኸስሉ ፍንጭታት ወይ ጭቡጥ ተግባራት መሰረት ገይሮም ዘይኮነስ፥ ናይ ምፍፃም ዕድል ኣሎ ብዝብል ዘይተጨበጠ ግምት ኢዩ። ኣዝዩ ዘሕዝን ድማዝሓሸ ሽም ዘለዎም ትካላት እንተይተረፉ እቱ ኣብ ኢትዮጵያ ተቐነባቢሩ ዝውዛዕ ፕሮፓጋንዳ ዘይምቅዋሞም ኢዩ።እቶም ውሑዳት ብዛዕባ ኢትዮጵያ ዝተዘረቡ ምጥፋኣት ሽም ብምእማን ከይተዓሸዉ ከምዝተረፉ ይግመት። ገለገሊኦም ድማ እቶም ናይ ሓሰት ክስታት ኢትዮጵያ ንምንብርካኽ ክጥቀሙሎም ይደሊዩ።

ከምዚ ዝበለ ዘደንግፅ ክስታት ብምቕራብ መንግስቲ ኢትዮጵያ በምጭናቕ ኣብ ልዕሊ ህወሓት ዝውሰድ ዘሎ ናይ ምክልኻል ስጉምቲ ንምቕናስ ኽእሉ መሲሉዎም እንተኾይኑ ተሰሓሒቶም ኢዮም። ገለገሊኦም እውን ዝኽእልዎ ኩሉ ብምግባር እቲ ጉጅለ ንምድሓን ይረባረቡ ኣለዉ። ዝተወሰኑ ምዕራባዊያን ሰበ ስልጣን ሓዊሱ እቲ ናይ ሓሰት ክሲ ዝነዝሕዎ ኢትዮጵያ ትእዛዞም ኣይቅበልን ስለዝበለቶም ምዃኑ ብዕሊ ምዝራብ ጀሚሮም ኣለዉ።

እቲ ናይ ሓሰት ክሲ ኣብ መሬት ዘሎ ሓቂ ፈፂሙ ኣይቕይሮን። እቶም ዓበይቲ ትካላት ወሰንቲ ተዋሳእቲ፣ እኹል ግንዛበ አንተይሓዙ ኣብ ወፍሪ ሓሰት ይሳተፉ ኣለዉ። ከምዚ ዝበለ ዝኸፍአን ክውገዝ ዝግባእን ክሲታት ንፖለቲካ ዕላማ ምውዓሎም ሓላፍነት ዝጎደሎን ዘሕፍርን ኢዩ።

ንኸምዚ ዝበለ ሓደገኛ ምጥፋእ ስም ምላሽ እንተይሃብካ ብትዕግስቲ ምሕላፍ ዘይከኣል ብምዃኑ ብዝኸፍአ መገዲ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዘይተረጋገፁን ፖለቲካዊ ዕላማ ዝለዎምን ክሲታት ምስ ዘቕርቡ ገለ ገለ ሃገራትን ትካላትን ዘሎ ርክብ መነገስቲ ኢትዮጵያ መሊሱ ንከፅንዕ ተገዲዱ ኣሎ።

መነግስቲ ኢትዮጵያ ካብ መበገሲኡ ብግልፂ ከምዝገለፆ ብሕብረት ኣፍሪካ ዝግበር ዘሎ ዘተ ሰላም ቁርፀኛ ኢዩ።

ምኽኒያቱ እቲ ጎንፂ ብሰለማዊን ቀዋሚን ብዝኾነን መገዲ ንምፍታሕ ዝፀንዐ ቅዋም ስለ ዘለዎ። ብኻሊ መዳይ ድማ ብምኽኒያት እቲ ጎንፂ ዘጋጠሙ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ተሓታቲ ንምግባር ቁርፀኛ ከምዝኾነ ንምግላፅ ይፎቱ።

18 ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም

ኣዲስ ኣበባ

 

ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.