Fana: At a Speed of Life!

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ህወሓት ፍሉይ ዞባ ኣዲስ ኣበባ ዝነበሩ ኣይተ ተወልደ ገብረፃዲቕ ሓዊሱ ካልኦት ኣባላት ኣመራርሓታት ህወሓት ካብ ማእሰርቲ ብዋሕስ ተፊሖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ህወሓት ፍሉይ ዞባ ኣዲስ ኣበባ ዝነበሩ ኣይተ ተወልደ ገብረፃዲቕ ሓዊሱ ካልኦት ኣባላት ኣመራርሓታት ህወሓት ካብ ማእሰርቲ ብዋሕስ ተፊሖም።

እቶም ተጠርጠርቲ፥ ምስ ቅንፀላ ኣርቲስት ሃጫሉ ሁንዴሳ ተተሓሒዙ ከምኡ እውን ሓበሬታ ንጉጅለ ግብረ ራዕዲ ኣሕሊፍኩም ሂብኩም ብዝብል ገበን ተጠርጢሮም ንኣዋርሕ ኣብ ማእሰርቲ ከምዝነበሩ ይፍለጥ።

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ቆፀሮ ገበን ምድብ ልደታ ትማሊ ኣብ ዝወዓለ መጋባእያ፥ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ህወሓት ፍሉይ ዞባ ኣዲስ ኣበባ ኣይተ ተወልደ ገብረፃድቃን ሓዊሱ ኣይተ ተስፋኣለም ይሕደጎ፣ ኣይተ ኣፅብሃ አለማየሁ፣ ሻለቃ በሪሁ ፅጌን ኣይተ ሳምሶን ዘገየን ብዋሕስ ንኽፍትሑ ወሲኑ።

ብመሰረት እዚ፥ ኣይተ ተወልደ ገብረፃድቃን፣ ኣይተ ተስፋኣለም ይሕደጎን ኣይተ ኣፅብሃ ኣለማየሁን ብዋሕስ ብር 20 ሺሕ፤ ሻለቃ ገብረህይወት ፅጌን ኣይተ ኣፈወርቂ ሙሉተገኝን ድማ ብብር 10 ሺሕ ዋሕስ ከምዝተፈትሑ ጠበቐኦም ኣይተ ታደለ ገብረመድሂን ንቴሌቪዝን ትግራይ ተዛሪቦም።

እቶም ኣመራርሓታት ትማሊ ኣማሲዮም ካብ ማእሰርቲ ተፈቲሖም ምስ ስድረኦም ከምዝተራኸቡ እውን ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.