ሓለፍቲ ዓውዲ እቶት ሃገራት ምብራቅ ኣፍሪካ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ልምዓት ተዓዚቦም
ኣዲስ ኣበባ፣ 5 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ካብ 11 ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪካ ዝተወከሉ ላዕለዎት ሓለፍቲ ዓውዲ እቶት ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ልምዓት ተዓዚቦም።
እቲ ዑደት ሚኒስትር እቶት ኣይናለም ንጉሴ ዝመርሐኦ ኢዩ።
ሓለፍቲ ዓውዲ እቶት እቲ ዞባ ኣብ ዑደቶም፤ ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እናተሃነፁ ዝርከቡ መሰረተ ልምዓታት ኣዚም ዘደንቑ ከምዝኾኑ ተዛሪቦም።
ንዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት እቶት ውሽጢ ሃገር ናይ ምእካብ ዓቕሚ ኣብ ምድንፋዕ ዘድሀበ ዞባዊ ኮንፍረንስ ንምስታፍ ናብ ኣዲስ ኣዲስ ኣበባ ዝመፅኡ ኢዮም።
ካብዚ ብተወሳኺ ሓለፍቲ ዓለም ለኸ ትካል ገንዘብ (ኣይኤምኤፍ)ን ኣብቲ ትካል ሓለፍቲ ማእኸል ዞባዊ ቴክኒክ ሓገዝ ቢሮ ምብራቕ ኣፍሪካ (ኣፍሪታክ)ን ኣብቲ ዑደት እናተሳተፉ ይርከቡ።
ብኣንዱኣለም ተስፋዬ