Fana: At a Speed of Life!

ሒሳብ ደፍተር መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ጨንፈር ኣስመራ ብምእጋዱ በረራ ጠጠው ንምባል ሓደ ምኽንያት ከምዝኾነ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሒሳብ ደፍተር መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ጨንፈር ኣስመራ ሙሉእ ብሙሉእ ብምእጋዱ በረራ ጠጠው ንምባል ሓደ ምኽንያት ከምዝኾነ ተገሊፁ።

እቲ መገዲ ኣየር ናብ ርእሰ ከተማ ኤርትራ ኣስመራ ዝገብሮ በረራ ምቁራፁ ኣመልኪቱ ሎሚ መዓልቲ ንመራኸብቲ ሓፋሽ መግለፂ ሂቡ።

መግለፂ ዝሃቡ ዋና ፈፃሚ ስራሕ እቲ መገዲ ኣየር ኣይተ መስፍን ጣሰው÷ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ኣስመራ ዝገብሮ ዝነበረ በረራ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ከምዘቋረፀ ገሊፆም።

እቲ መገዲ ኣየር ኣብዚ ውሳነ ዝበፅሐ÷ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኣገልግሎት ንመሃብ ብዘጋጠሞ ልዕሊ ዓቕሚ ዝኾነ ፀገም ኣሰራርሓ ምኽንያት ከምዝኾነ ኣመልኪቶም።

ንዓመታት ተቛሪፁ ዝነበረ በረራ ኣዲስ ኣበባ ኣስመራ ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመታት ዳግም ካብ ዘጀመረሉ እዋን ጀሚሩ ጠለብ ዓማዊልን ሲቪል ኣቪዬሽን ኤርትራን ንምምላእ እናሰርሐ ከምዝፀንሐ ኣዘኻኺሮም።

ነዚ ድማ ብተደጋጋሚ ካብ ሲቪል ኣሺዬሽን ኤርትራ ዝለዓሉ ዝነበሩ ቅታታት ካብ ምፍታሕ ጀሚሩ ቁፅሪ ዕለታዊ ምምልላስ ብምውሳኽ ሳምንትታዊ መጠን በረራኡ ናብ 15 አዕቢዩ ከምዝነበረ ገሊፆም።

ቅድሚ ሕዚ ሲቪል ኣቪዬሽን ኤርትራ ምስ ምድንጓይ ሳንጣ ዓማዊል ተተሓሒዙ ዘሎ ፀገም ንምፍታሕ 160 መቐመጢ ኣብ ዘለዎ ኣውሮፕላን 100 ብመሓዝ ንኽበርር ከምዝተገበረ ገሊፆም።

“ኣብ ቀረባ እዋን ካብ በዓል መዚ ኣቪዬሽን እታ ሃገር ሃንደበታዊን ዘዕግብ መብርሂን ዘይሓዘን ደብዳበ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ እናተዘዋወረ ተዓዚብና ኢና” ኢሎም።

ካብዚ ብተወሳኺ እቲ ደብዳበ ብሲቪል ኣቪዬሽን ኤርትራ ኣቢሉ ምውፅኡ ስዒቡ ብወገን ሲቪል ኣቪዬሽን ኢትዮጵያ ብደብዳበን ብስልኪን ተደጋጋሚ ፈተነ ይገበር እንበር ምላሽ ምርካብ ከምዘይተኽኣለ እውን ኣይተ መስፍን ኣልዒሎም፡፡

እቲ ፀገም ንምፍታሕ መፍትሒታት ካብ ምትእልላሽ ጎድና ጎድኒ በረራታት እናተገበረ ከምዝፀንሑ ፀሪሖም።

ኣብ ሞንጎ እዚ ተወካሊ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ገንዘብ ንምቕማጥ ናብ ባንኪ ኣብ ዘምረሐሉ እዋን ገንዘብ ከቕምጥ ከምዘይኽእል ብበዓል መዚ ሲቪል ኣቪዬሽን ኤርትራ ብዝተፃሕፈ ደብዳበ ከምዝተኣገደ እቲ ባንኪ ምግላፁ ኣብሪሆም።

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ እዚ ውሳነ ካብ ዝሰምዐሉ እዋን ጀሚሩ ምላሽ ንምርካብ ዝተፈላለዩ ፃዕሪታት እናገበረ ይፅናሕ እምበር ክረክብ ከምዘይከኣለ እውን ገሊፆም።

በዚ ምኽንያት ን30 ማመዓልቲታት እቲ መገዲ ኣየር ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ገንዘብ ምልኣኽ ከምዘይተኽኣለ ብምግላፅ፤ ብምዃኑ እቲ መገዲ ኣየር ንሰራሕተኛታቱን ንዝተፈላለዩ ኣገልግሎታትን ክፍሊት ክፍፅም ብዘይኽኣሉ በረራ ንምስራዝ ከምዝተገደደ ተዛሪቦም።

ብምኽንያት እዚ ኣብ ልዕሊ ዓማዊል ዝበፅሐ ምንግልታዕ ብሽም እቲ መገዲ ኣየር ይቕሬታ ዝሓተቱ እቶም ዋና ፈፃሚ ስራሕ፥ መገደኛታት ብካልኦት መገዲ ኣየራት ንኽተኣናገዱን ክጓዓዙን መምርሒ ከምዝተመሓላለፈ ገሊፆም።

ክፍሊት ፈፂሞም በረራ እናተፀበዩ ንዝነበሩ መገደኛታት ገንዘቦም ተመላሲ ከምዝግበር እውን ኣፍሊጦም።

ብመራኦል ከድር

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.