Fana: At a Speed of Life!

ሎጂስቲክስ ሓይሊ ኣየር ፌዴሪኢ ኣብ እዋን ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ሓላፍነቶም ብግቡእ ንዝተዋፅኡን ኣብ ጉዕዞ ትካላዊ ለውጢ ብፅሒቶም ንዘበርከቱ ኣመራርሓታትን ኣባላትን ሰራዊት ኣፍልጦ ሂቡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 15 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሎጂስቲክስ ሓይሊ ኣየር ፌዴሪኢ ኣብ እዋን ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ሓላፍነቶም ብግቡእ ንዝተዋፅኡን ኣብ ጉዕዞ ትካላዊ ለውጢ ብፅሒቶም ንዘበርከቱ ኣመራርሓታትን ኣባላትን ሰራዊት ኣፍልጦ ሂቡ።

ዋና ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ፌዴሪኢ ሜጀር ጄነራል ይልማ መርዳሳ፥ “ፍፁም ኣብ ዘይሓሰብናሉ ኩነታት ከሓዲ ጁንታ ህወሓት መጥቃዕቲ ይፈፅመልና እምበር ሓይሊ ኣየርና ብዝተለመደ ህዝባዊ ጅግንነቱ ዓካዓካሪት እቲ ጁንታ ብምስባር ኣብ ሓፂር እዋን ዓቢዩ ተጋድሎ ኣመዝጊቡ ኢዩ” ኢሎም፡፡

ንወሳኒ ጉዕዞ ዓወት እቲ ትካል ኩሎም ክፍሊታት ሓይሊ ኣየር ዝተዋደደ ጥምረትን ሓበራዊ ድምርን ከምዝኾነ ዝሓበሩ እቶም ዋና ኣዛዚ፥ ብፍላይ ኤር ሎጂስቲክስ ዘበርከቶ ርኡይ ኣስተዋፅኦ ልዑል ምስጋናንክብርን ዝወሃቦ ዘኹርዕ ተግባር ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

ምክትል ኣዛዚ ንኤር ሎጂስቲክስ ብ/ጄ ነገራ ሌሊሳ ብግደኦም፥ ኤር ሎጂስቲክስ ካብዚ ብዝበለፀ ኩሉ ግዘ ድሉውነቱን ውፅኢታውነቱን ብምርግጋፅ ንዕዉት ለውጢ እቲ ትካል ብትግሃት ክዋፃእ ኢዩ ኢሎም፡፡

ሓይሊ ኣየር ፌዴሪኢ፥ ካብቶም ኣርባዕተ ምክትላት ሓደ ዝኾነ ምክትል ኣዛዚ ንኤር ሎጂስቲክስ፣ ወሃቢ ድጋፍ ተሸከርከርቲ ምድሪ፣ ወሃቢ ድጋፍ ኣቪየሽን መሳርሒታትን ኤሌክትሪክን ኤሌክትሮኒክ ራዲዮ ፅገናታትን ብምስራሕን ኣብ ካልኦት ዘፈራትን ብፅሒቱ እናተዋፅአ ዝርከብ ክፍሊ ምዃኑ ኣብቲ እዋን ምግላፁ ካብ ሚኒስቴር ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.