ሎሚ እውን ከም ትማሊ፥ ፈተናታት ብዓወት ተሳጊርና፣ ኣእዳውና ንምስግን ክንዝርግሕ ኢና-ቀዳማይ ሚሊስትር ኣቢይ ኣሕመድ
አዲስ አበባ፣ 20 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ) ሎሚ እዉን ከም ትማሊ፣ ፈተናታት ብዓወት ተሳጊርና፣ አእዳዉና ንምጋና ክንዝርግሕ ኢና-ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ
ዝኸበርኩም ህዝብታት ሃገርና
ኢትዮጵያዉያንን ኢትዮጵያውያትን
ኢትዮጵያ ዝብል ሸም ንሽግራት ዘይምበርካኽ ብፈተና እንተይተበደሀ ዕንቅፋታት ብምሕላፍ ዓወት ዝሓፍስ ክቡር ሸም እዩ:: ሃገርና አብ ታሪካ ብዘይፈተና ዘሕለፍቶም ዘበናት ኣዝዮም ዉሕዳት እዮም። ብብርቱዕ ናይ ደቃ ሓድነትን ብፈጣሪ ሓልዮትን ዝገጥመዋ ፅዕንቶን ፀገማትን ብምፅዋር አብዚ በፂሓ ኣላ። ሕዚ እዉን ናይ ሃገርና ድልዱል ዓቕሚ ክፈታተን ናይ መከራ መዓት አብ ዙሪያና እንተንጎድጎደ፤ ከምክረምቲ ሐምለ ናይ ፀገም ደበና ህይወትና ከፅልምቱ ዝተሃንጠው ሓይሊታት እንተተአከቡ ጉዕዞና ኣይነቋርፅን፡፡ ብፅኑዕ ማንነትናን ሓገዝ ፈጣሪን ንንእመን ኩሉ ግዘ ቅድሚ ክራማት ዝመፅእ ብሩህ ፅዲያ ጎሊሁ ይረአየና፤ ፀልማት ሓሊፍካ ድሙቕ ብርሃን ከምዘሎ ንፈለጥ ኢና። ትማሊ ዝነበረ ፀልማት እኳ ዝሓለፍና ሎሚ ዘሎ ፀልማት ዘይንሳገረሉ ምኽኒያት ከምዘየለ እናኣመንና፣ ጥንካረን ሓቦን ንዝህበና ፈጣሪ ሎሚ እውን ምስጋና ነቕርብ።
ምምስጋን ንዝሓለፈ ዘበን ብሰዓራይነት፣ ንዘለናዩ እዋን ብዕድል፣ ንዝመፅእ ጊዘ ድማ ብብሩህ ተስፋ ንክንርእይ ዝገብር ልዑል ሓይሊ ኣለዎ። ብኣንፃሩ ድማ ምምራርን ምስጋና ኣልቦነትን ናይ ተስዓራይነትን ኣልቦ ዕድልን ስለነ ልቦና ዝፈጥር ኢዩ። ንሕናን ካልኦተን ብእወንታዊነትን ፍቕሪን ምርኣይ ንከይንኽእል ዝገብር ኢዩ። ብመረረትን ኣልቦ ምስጋናን ዝተፀመደ ውልቀ ሰብ ይኹን ህዝቢ ዝጎደሎ እንበር ኣብ ኢዱ ዘሎ ፀጋ ኣይረኣዮን። ዝበፅሖ በደል እንበር ዝተውሃቦ ዕድል ኣይጎልሀሉን። ዝመፅእ መከራ እንበር ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ተስፋ ኣብ ሕሊንኡ ኣይሰኣልን። ዘመስግን ሰብ ኣብ ውሽጢ መከርኡን ጭንቁን ዓወቱን ዕድሉን ምርኣይ ዝኽእል ኢዩ። ካብ ማዕበል ብዝበለፀ ናይታ መርከብ ጥንካረ ይርእይ። ካብ ፈተናን ፀገምን ወፃእ ኩሉ ብሓድነትን ብፈጣሪ ሓገዝን ንምስዓር ዝኽእል ምዃኑ ይሓስብ።
ቀዳሞት ስልጣነታት ኣኽሱም፣ ላሊበላን ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ኪነ-ህንጻታትን፣ ኣብ ከባቢ ሃረር ዓምቢቡ ዝነበረ ዕቤት ምንቕቓሕ ከተማነት፣ ኣብ ዙሪያ ጊቤ ዝነበሩ ንግዲን ሕርሻን ዘጣመሩ ስልጣነታት፤ ኣብ ስርዓት ገዳ ዴሞክራሲ ናይ ምፍላጥ ፃዕሪታት፣ ኣብ ወላይታ፣ ከምባታ፣ ሃላባ፣ ሃዲያ፣ ዳውሮን ከፋን ዝነበሩ ካም ማእኸላይ ምብራቕ ክሳብ ኣውሮፓ ርክብ ንግዲን ዲፕሎማሲን ዝተመስረተሎም ምምሕዳራት፣ ኣብ ጎንደር ዝተማእኸለ መንግስታዊ ምምሕዳር ናይ ምፍጣር ፈተነ፣ ኣብ ዓፋርን ሶማሊያን ዝነበረ ሓበሬታን ማእኸላዊነትን መሰረት ዝገበረ ስርዓት ምሕደራ፣ ኣብ ጋንቤላ ዝነበረ ንደቂ ኣንስትዮ ፍሉይ ቦታ ዝወሃቦ ስልጣነ፣ ኣብ ቤኒንሻንጉል ዝነበረ ዕቤት ሙዚቃን መሳርሒታት ሙዚቃን፤ ኢሉ እውን ኣብ ካልኦት ከባቢታት ተራኢዮም ዝነበሩ ስልጣነታት ንደሓር ዘወር ኢልና ብመርኣይ ክንኮርዐሎም ዝግብኡ ሃፍቲታትና ኢዮም፡፡ ንኾዐሎም ትማሊታት ዝሃበና ኣምላኽ ኢትዮጵያ ክነመስግን ዘለና ነዚ ኢዩ፡፡
ኣብ ውሽጢ ዝነበሩ ዘበነ መሳፍንት ዝመስሉ ምክፍፋላት፣ ካብ ወፃኢ ዝመፅኡ ፅዕንቶታት ባዕዳዊ መግዛእቲታት ሃገርና ብዘይረአ ሓይሊ ተፃዊራቶም ኢያ። ታሪካን ማንነታን እንከይሃሰሰ፣ ከም አምኒ ፀኒዓ ንዘበናት ምፅንሓ ተኣምር ክበሃል ዝኽእል ኢዩ። ዘመናዊት ኢትዮጵያ ካብ ምብትታን ናብ ሓድነት ኣብ ዝተኣከበትሉ ከይዲ እውን ኲናታትን ጎንፅታትን፣ ወረራታትን ሕቱኽቱኽ ስልጣንን ሕልፊን ትርፊን ኮይኖም ኣጋጢሞም ኢዮም። ሃገርና፥ ህንፀት ሃገረ መንግስቲ በቲ ዝድለ ከይተዛዘመ፣ ኣብ ዝሓለፉ 50 ዓማውቲ ቅልጡፍን ተኸታታሊን ሱር ቦቆስ ለውጢታት ኣጋጢሞምዋ ኢዮም። ኲናት ሕድ ሕድ፣ ለበዳታት፣ ልዑል ጥምየት፣ ሰብ ስራሕን ተፈጥሮኣዊን ቅልውላው ውሕጅ ኮይኖም እንተመፅኡ እውን ንኢትዮጵያ ኣነቓኒቐምዋ እንበር ኣየፍረስዋን። ኣብ ቀረባን ርሑቕን ዘሎዉ ታሪካዊ ፀላእቲ በቢእዋኑ እናተልዓሉ ሰቕሲቖም ክድርብይዋ ዘይገበርዎ ፃዕሪን ዘይፈሓስዎ ሽርሐን ኣይነበረን። ስማ ከፀልሙ ፈቲኖም ኢዮም፤ ኣብ ዓለም ለኸ መድረኻት ፍትሒ ደጋጊሞም ከልኪሎምዋ ኢዮም። ዘለዋ በሪ ባሕሪ ከልኪሎም ክዕፍንዋ ፈቲኖም ኢዮም። ካብ ከብዳ ዝፍልፍሉ ወሓዝቲ ሩባታት ንከይትጥቀም ንምግባር ብሽርሒ ዝተፍሓሱ ውዕላትን ብክፍኣት ዝተኣለሙ ስምምዕነታትን ገይሮም። እዚ ኩሉ እንተጋጠመ እወን ኢትዮጵያ ከም ወርቂ ብሓዊ ተፈቲና፣ ብናይ ደቃ ፃዕሪን ብፈጣሪ ፍቓደን ተሓሊያ ከምሃገር ምቕፃል ምኽኣላ ኣዝዩ ዝገርም ኢዩ። ሃገርና እዚኦም ኩሎም መከራታት ምስጋራ እንትንሓስብ ንፈጣሪ ምስጋና ክነቕርብ ምኽኒያት ይኾነና።
ዝሓለፉ ኣርባዕተ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ተራኢዩ ብዘይፈልጥ መልክዑ ተስፋን መከራን፣ ሓድነትን ምፍልላይን፣ ዓለም ለኻዊ ናእዳን ምኹናንን፣ ዝላን ምጉታትን፣ ናፅነትን ጎንፂን ዘተኣናገድናሉ እዋን ኢዩ ምባል ይከኣል፡፡ ኢትዮጵያ ናይ ቁርፂ እዋና ደቃ ዝረኸበትሉ ጥራሕ ዘይኮነስ ዝሰኣነትሉ ግዘ ኢዩ፡፡ ተሪፉ ኣብቂዑሉ ዝተብሃለ ግድብ ህዳሰ፣ ምልኢቱ ተዛዚሙ ሓይሊ ምፍልፋል ጀሚሩ ኣሎ፡፡ መሬት ድርቂን ምጉስቛልን ዝተብሃለት ሃገር ቢሊየናት ፈልሲታት ብምትካልን ኣብ በቢከባቢኡ ፓርኪታት ብምድላው ግስጋሰ ምድረ ገነታ ቀፂ ኣላ፡፡ ዋሕስ ህላወኣ ስርናይ ምዕራባውያን ከምዝኾነ እንትሓስቡ፣ ኢትዮጵያ ግን ብዝጀመረቶ ልምዓት ስርናይ ሓጋይ ሰፋሕቲ ሕርሻታት እኽሊን ኣትክልቲን ካብ ባዕላ ሓሊፋ ንካልኦት ክትተርፍ ኣብ ጫብ በፂሓ ትርከብ፡፡ ኣብ ሓደ እዋን መደርበዪ ርስሓት ኣፍሪካ ተባሂላ ዝነበረት ኣዲስ ኣበባ ንስማ ዝምጥን መልክዕ ንኽትሕዝ እናተቓረበት ትርከብ፡፡ ዘጋጠሙ ፈተናታት ብዙሕ ክባር ዋጋ ኣኽፊሎምና ኢዮም፡፡ ንሳቶም ብዘሓሰብና ቁፅሪ የሕመና፡፡ ካብ ዝሰኣንናዮ ንላዕሊግን ዝረኸብናዮ ይበልፅ፡፡ እቲ መከራ ኣይኣለናዮን፤ እቲ ፈተና ኣይሰዓረናን፡፡ ስለዝኾነ ድማ ንፈጣሪ ብዙሕ ምስጋና ነቕርብ።
ፍቱዋት ደቂ ሃገረይ፣ ሓው ኣብ ልዕሊ ሓዉ ዝጨከነሉ፣ ሓቢርና ዝነበርና ተሪፉ ሓቢርና ዝወዓልና ብዘይመስል መልክዑ ዝተጋጨናሎም፣ ብዝረብሕ ብዘይረብሕ ህይወት ሰብ ዝተቐጠፈሎም፣ ዒላማ እምበር ዕላማ ኣብ ንዘይብሎም ሰባት ደም ወገናትና ብኸንቱ ዝፈሰሰሎም ዝሓለፉ ውሑዳት ዓማውቲ ቆላሕ ኢልና እንትንርኢ ልብና ብሓዘን ይስበር፡፡ ከም ወለዶ እውን ሕፍረት ይስመዐና፡፡ ኣብ ሰሜንን ምዕራብን ክፋል ሃገርና ኲናትን ጎንፂታትን ዘኽፈሉና ዋጋ ህይወት ሰብን ዝዓነወ ሃፍቲ ሃገርን እንትንሓስብ የዒንትና ጥራሕ ዘይኮኑስ ነብስና እውን ይነብዑ፡፡ ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ምብራቕን ደቡብን ክፋል ሃገርና ኣጋጢሙ ዝነበረ ጥፍኣት ዘብፀሖ ጉድኣትን ስቓይን እውን ዝርሳዕ ኣይኮነን፡፡ እናነባዕና እውን እንተኾነ ነመስግን፡፡ ካብ ዝበፅና ዝተገበረልና ስለዝበልፅ፡፡ ክሳዳ ንምስባርን ሕቊኣ ንምጉባጥን ዝወረዳ መዓት ኩሉ ክኢላ፣ ሓዘና ብኸብዳ፣ ፈተናኣ ብቕልፅማ ተሸኪማ ሓሊፋ፤ ሃገርና ኢትዮጵያ ሕዚ እውን ብፅንዓት ከምዝቐፀለትን ኣንፈታ እንተይሰሓተት ኣብ ጉዕዞኣ ምግስጋሳ ብርግፅ ዘደንቕ ምስጢር ኢዩ፡፡ ኣብ ውሽጢ ጥፍኣት ልምዓት፣ ኣብ ውሽጢ ሓዘን ምፅንዕናዕ፣ ኣብ ውሽጢ ፀገም በረከት፣ ኣብ ሞንጎ ፀልማት ብርሃን እናብረሀ ዘድሐነናን ንሃገርና ሓገዝን መኸታን ዝኾነና ኣምላኸ ኢትዮጵያ ኢዩ፡፡ ነዚ ፅላል ከለላ፣ እምባ መኸተ፣ መሕብኢ ዋልታ ዝኾነ ኣምላኽ ምምስጋን ናይ ኩሎም ኢትዮጵያውያን ዜማ ሓድነት ክኸውን ይግባእ፡፡
ለውጢ ዝመፅአ ረብሓ ኢትዮጵያ ንምኽባር ጥራሕ ከምዝኾነ ዝተገንዘቡ፣ ብፍላይ ኣብ ኣባይን ቀርኒ ኣፍሪካን ልዑል ባህጊ ዘለዎም ኣካላት ብቀጥታን ተዘዋዋሪን መገዲታት መደራጉሕ ጥፍኣት እንትሰዱ ፀኒሖም ኢዮም። ገዘፍቲ ምዕራባዊያን ሚዲያታትን ትካላትን ዓቕሚ መንግስታቶም ተኣማሚኖም ኣብ ልዕሊ ሃገርና ወፊሮም። ኢኮኖሚኣን ዓለም ለኸ መልክዓን ንምጥፋእ ዘኽእሉ ኩሎም እንትገብሩ፣ ፈተውትና ንክርሕቑና ብኢደ ዙር ጠምዚዞም ንምሓዝ እንትፈትኑ ነይሮም። ይኹን እንበር ናያቶም ፃዕሪን ፈተነን ዝደቀሰ ኢትዮጵያዊ ሓድነትን ቁጠዐን ነቕኒቕዎ እንበር ኣየጥፈኦን። ዓወት ዓድዋ እውን ኣብ ዘበንና ተደጊሙ፤ ዘንፀላለወ ሃገር ናይ ምብታን ፀሊም ደበና ተገፊፉ። እዚ ድማ ናይ ኢትዮጵያ ኣምላኽ ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋን ኣብ ጎንና ምዃኑ ዝረአናሉ ናይ ዘበንና ትንግርቲ ነይሩ።
ብዙሓት ሃገራት ልክዕ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓማውቲ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝወረደ ዓለም ለኸ ፅዕንቶ ዝመስል ፅዕንቶታት ምፅዋር ተሳኢኑወን ፈሪሰን ኢየን። ናይ ኢትዮጵያ ኣምላኽ ግን ንንክሲት ፀላእትና ኣሕሊፉ ኣይሃበናን።
ተንከልከል ኢልና ደው ንክንብል፣ ንክንፀንዕ፣ ደኺምና ነክንብርትዕ ንዓቕምና ብርትዐ ኮይኑ ኢዩ። በዚ ድማ ኢትዮጵያ ሎሚ ንዓለም እናግረመትን እናተዓዘበትን ትቕፅል ኣላ። መፃኢ ዘበን ኣብ ዚ ብርቱዕ ቅልፅማ ብምኻን ንምስጋር ብተስፋ ኣርሒቓ ተርኢ ኣላ። ብታሪክ ዝሰማዕናዮ ፅንዓት ኢትዮጵያ ብዓይንና ንዘርኣየና፣ ኣብ ዘበንና ታሪክ ንዝሰርሓልና፣ ንፈጣሪ ኢትዮጵያ ምስጋና ይብፃሓዮ።
ከም ኢትዮጵያ ዝበለ ኣብ መንጎ ዘበናት ኣብ ዝገምዎ ፀገማት ኣብ ልዕሊኦም ጠጠው ኢሉ ብላዕላዋይነት ዝደመቐ ሃገር መን እዩ? ናይ ቋንቋ፣ ናይ ባህልን ሃይማኖትን ኣብዝሓነት ምስ ሓድነት ኣጣሚሮም ንነዊሕ ዘበናት ዝዘለቁ ሃገራት ከንደይ እዮም? ኣብ ልዕሊ ከርሰ ምድሮምን ገፀ ምድሮምን ብሃፍቲ ዝተመልኡ፣ ማዮምን ኣየሮምን ዝተባረኸሎም፣ ናይ Aቢ ጀንነትን ናይ ኣእምሮ ብሩህነትን ብሓደ ዝተዓደሉ፣ ከም ኢትዮጵያ ዝበሉ ሃገራት hንደይ አዮም? ኩሎም ዓይነት ፀለምቲ ህዝብታት ናይ መልhዕ ዕባቐ ከም መጋየፂ ተሰራዮም ዘብረቕርቑላ ሃገር ካብ ኢትዮጵያ ካልእ መን እያ? ብናፅነትን ብላዕላዋይነትን ናይ አፍሪካ መርኣያ ዝኾነት ሃዢር ካብ ኢትዮጵያ ወፃኢ ኣበይከ ይርከብ ካብ ጥንቲ ከሳብ ሎሚ ናይ ካልኦት ሃገራት ስደተኛታትን መፃእተኛታትን ብሃገሮም ከምናይ ባዕሎም ውላድ ገይሮም ዘስተኣናገዱ ከምኢትዮጵያ ዝበሉ ሃገራት እንመን እዮም?
ናይ ውሽጥን ናይ ወፃእን ፅዕንቶ ተፃዊራ ኣብ ናይ ዓለም ለኸ ናይ ስፖርት መድረኻት ኣብ ልዕሊ ዓወት ብዓወት ዝተጎናፀፉ ኢትዮጵያዊያን ኣይኮኑን ድዮም? ብስፖርት መድረኻት ናይ ሃገሮም ባንዴራ ከብ ኣቢሎም ዘምበልበሉ ዓወት ኣብ ዝተጎናፀፉሉ ሜዳ ኢዶም ናብ ሰማይ ዘርጊሖም ፈጣሪኦም ዘመስኑ ኢትዮጵያዊያን አይኮኑን ድዮም? ህድእ ኢልና እንተሓሲብናን ብፅሞና በረኸትና እንተቖፂርናን፣ ንሕና ኢትዮጵያዊያን ካብ ምምራር ወፂእና ኣመስንቲ ክንኾነሎም ዝቡእና ብጣዕሚ ብዙሓት ካልኦት ምኽንያታትን መበሲታትን ኣለውና፡፡ ነዚ እዉን እዩ ልቦናና ብዝተረድኦም ኮነ ሓሲብና ብዘይበፃሕናሎም ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ጕዳያት ጠው ኢልና ፈጣሪና ንኽነመስግናን ንኽነኽብሮን ዝግብእና።
እዞም ናይ ሎሚ ናይ ኢትዯጵያ ፀገማት ናይ ምዕባለኣ መሳልልን ተወሰኸቲ ናይ ዕቤት ጎደነኣ እምበር ናይ ውድቀታ መቓበርን መሰናኸልን ኣይኮኑን እዮም፡፡ እዞም ኩሎም ናይ hፍኣት ሓይልታት ዝረባረቡልና፣ መፃኢ ብሩህ ዘበን ሪኦም እምበር ተስፋ ዘየብልናን ደኻታት ሞዃንና አጨኒቑዎም ኣይኮነን እዩ፡፡ ብወርቂ ዝተልአ ገዛ እምበር ጥርሑ ገዛ ናይ ፀላኢ ቐልቢ ኣይሰሕብን እዩ፡፡ እንተንአስኳ ንፀላአትናን ፅቡቕና ንዘይምነዩ ኣካላት ዝተርኣዮም ዓቅምናነ ከም ሃገር ዘለና ዕሙቕ ሃፍቲ ንዓና እውን hርኣየና ይግባእ፡፡ ምኽንያቱም ናብ ቅድሚትን ናብ ዕብየትን ብፍጥነት ዝወሲደና መንገዲ አመስጋነይነትን ዘለና ፅቡቕ ነገር በኣድናቖትን ብኸብሪን ኸንቅበል ምኽኣልና እዩ፡፡ ብዝሓለፈቶ ሓላፍ ዘላፍ መንገድታት ኩሉ ፈጣሪ ሃገርና ሓልዩልና ዩ እሞ ልዑል ኣምላኽ ሎሚ እውን ምስጋና ይግበኦ።
ካብ ከርሰ ምድሪ ክሳብ ሰማይ፤ ካብ እምነቱ ክሳብ ታሪኻዊ ሃፍቱ፣ ካብ ናይ ኣየር ፀባዮምን ከሳብ ናይ ባህ ኣብዝሓነቱ፣ ካብ ጀግንነት ከሳብ ናፃነት ፈታዊነቱ፣ ፈጣሪ ዝደለና ዝተዳላወ ንድፊ ብልፅግና ብምሕሳብ ነመስግኖ፡ ዓርስ ብዓርስና ካብ ምፅላእን ካብ ምፃጫውን ወፂእና ሓደና ንኻልኦት ምድናቕን ምምስጋንን ባህልና ይኹን፡፡ ብዝሓላፈን ብዝጎደ እንዳማረርናን ፀገም እንዳተዛረብናን መፃኢ ትውልዲ ኣይነዳኸሞ። ብዝኾነ ሓደና ንኻልኦትና፤ እቶም ናይ ሎሚን ናይ ዝሓለፈን፤ ነመስግኖም፡፡ ካብ ኩሉ ብላዕልን ብቕድሚትን ኣብ መንጎ ዘበናት ዝሓዝና ፈጣሪ ጠጠው ኢdና ነመስግኖ፡፡ ፈተውትና እንትቕየሩ፣ ሓrዝትና ገፆም እንተfሩ፣ ጎረባብትና ጓና እንትኾኑ ሪኢና ኢና፡፡ እቲ ዘይቕየር ናይ ኢትዮጵያ፣ረድኤትን፣ ዋሕስን መኸታን ፈጣሪ ጥራሕ እዩ፡፡
ኣብ ሓደ ዓመት ዉሽጢ, ካብ ዘለው 365 መዓልትታት ሓንቲ መዓልቲ ብሓባር ንፈጣሪ ምስጋና ንምቅራብን ውዕለትኡ ንምሕሳብን እንተንውስን ዝዝሕ ኣይመስለንን፡፡ ብምዓልቲ ንሓደ ደቒቓ ዝኣክ እንስርሖ ኩሉ ኣቋሪፅና በብዘለናሉ ጠጠው ኢልና፣ ናይ ፈጣሪና ውዕለታን ርሀራሄን ሓሲብና፣ ናይ ኢትዮጵያ ኣምላኽ hነመስግን ኣለና፣ ንመፃኢ ዓመትን ዘበንን ብምምራርን ብምበስውን፣ ብፅልእን ብቒምን፣ ብቕሬታን ብምጉድዳአን ካብ እንቐበሎ እኳድኣስ ብኣድናቖትን ብምስጋናን፣ ብምርድዳአን ብይቕሬታን hንቕበሎ ይግባእ-፡ ናይ ኣፅናፍ ዓለም ኩሉ ፈጣሪና ናይ ፅቡቅ ኩሉ መገሲ ዝኮነ ፈጣሪ hምሀገርን ከም ህዝብን፣ ከም መሪሒን ከም ዜጋታትን በቢቋንቋናን በቢእምነትናን ካብ ልብና hነስግኖ ይግባእ፡፡ ካብ ተላባዲ ሕማም ሓሊዩውና፣ ካብ ወራሪ ዕስለ አንበ ተኸላኺሉልና፣ ድርቅን መቕዘፍትን ከይኸውን ኣብ በርና ጠጠው ኢሉ ኣሎ፡፡ ካብ ቐረባን ርሑቑን ዝተላዓሉ ዘፈራርሱ ሓደጋታት እኽሺፉልና ኣሎ፡፡ ዝጀመርናዮም ዓበይቲ ፕሮጀክታት፣ ዓብዪ ናይ ህዳሴ ግድብ ናይ ማይ ምምላእ hይዲ ተግባራዊ ክኸውን ረዲኡና፡፡ ሃገርናን ህዝብናን ካብ Tንቲ ክሳበ ሎሚ ብሚስጥራዊ ኣስራርሕኡ ሓሊዩና እዩ፡ ከብርን ምስጋናን ንልዑል ፈሪ ካብ ዘላእለም ከሳብ ዘላእለም ይኹኖ ኢልና ንሓደ ደቒቓ በቢዘለናዮ ጠው ኢሴና ንኢትዮጵያ አምላኽ ምስጋና ኸነቐርብ ፃዉዒተይ ከመሓላልፍ ይፈቱ።
ኢትዮጵያ ብደቃ ፃዕሪ ተሓፊራና ተኸቢራን ንዘላኣለም ትንበር!!
ፈጣሪ ኢትዮጵያን ህዝባን ይባርኸ
20 ሓምለ 2014 ዓ.ም.