Fana: At a Speed of Life!

ሎሚ ኣብ ዝዛዘም ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያውያን ልዑል ትፅቢት ዝግበሩሎም ሰለስተ ውድድራት ክካየዱ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ፔሩ ሊማ እንትካየድ ዝነበረ ዓለም ለኸ ውድድር ሻምፒዮና  ትሕቲ 20 ዓመት ሎሚ ክዛዘም ኢዩ።

ብመሰረት እዚ ኣብቲ ናይ ሎሚ መዓልቲ መርሃ ግብሪ፥ ኢትዮጵያውያን ልዑል ትፅቢት ዝግበሩሎም ሰለስተ ውድድራት ክካየዱ ኢዮም።

ኣትሌት ሳሮን በርሀን ፅጌ ተሾመን ብ1 ሺሕን 500 ሜትር ደቂ ኣኒስቲዮ ለይቲ ሰዓት 7:00 ሜዳሊያ ንምምፃእ ልዑል ንሕንሕ ክገብራ ኢየን ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ብ3 ሺሕ ሜትሮ መሐንኩሎ ደቂ ተባዕቲዮ ድማ፥ ኣትሌት ሃይሉ ኣያሌውን በሪሁን ሞገስን ለይቲ ሰዓት 7:15 ውድድሮም ከካይዱ ኢዮም።

ብ1 ሺሕን 500 ሜትሮ ደቂ ተባዕቲዮ ኣትሌት ኣብዲሳ ፈይሳ ለይቲ ሰዓት 8:05 ክወዳደር ኢዩ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.